ራእይ ዮሓንስ 9

1እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ድማ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኮኸብ ከዓ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽወድቕ እንተሎ ረአኹ፤ መፍትሕ ዓሚቝ ጕድጓድዉን ተዉሃቦ። 2እቲ ኮኸብ ድማ ነቲ ዓሚቝ ጕድጓድ ከፈቶ። ካብቲ ጕድጓድ ከዓ ኸም ትኪ ዓብዪ እቶን ዘመስል ትኪ ወፀ። ብትኪ እቲ ጕድጓድ ድማ ፀሓይን ኣየርን ጸልመተ። 3ካብቲ ትኪዉን ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወፀ፤ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ምድሪ ኃይሊ ዘለወን ከዓ ኃይሊ ተዉሃቦ። 4ነቲ ኣንበጣዉን ነቶም ኣብ ግምባሮም ማኅተም እግዚኣብሔር ዘይብሎም ሰባት ጥራሕ ደኣ እምበር ኣብ ምድሪ ንዘሎስ ንሣዕሪ ወይ ንዘለምለመ ዂሉ ወይ ነእዋም ኣይትጕድኣዮም! ተብሂሉ ተነግሮ። 5ክጾትሎም እንተይኮነስ ንሓሙሽተ ወርሒ ኸሳቕዮም ሥልጣን ተዉሃቦ። እቲ ምስቓዮም ከዓ ኸምቲ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ እንተላ ዘሳቒ እዩ። 6በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ይደልዩዋ፤ ግና ኣይረኽብዋን እዮም፤ ሙማትዉን ክምነዩ እዮም፤ ሞት ግና ኻብኣቶም ክርሕቕ እዩ። 7ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ ንዉግእ ከም ዘተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል ነበረ፤ ኣብ ረርእሱዉን ኣኽሊላት ወርቂ ዘመስል ነበሮ፤ ገጹ ኸዓ ኸም ገጽ ሰብ ነበረ። 8ከም ፀጕሪ ኣንስቲ ዘመስል ፀጕሪ ድማ ነበሮ፤ ኣስናኑዉን ከም ኣስናን ኣናብስ ነበረ። 9ድርዒ ሓፂን ዘመስል ድርዒ ነበሮ፤ ድምፂ ኣኽናፉዉን ከም ድምፂ እቶም ናብ ዉግእ ዘጋልቡ ብዙኃት ኣፍራስን ሠረገላታትን ነበረ። 10ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዘመስል ጭራን ሕንዘን ነበሮ፤ ንሓሙሽተ ወርሒ ንሰባት ምእንቲ ኽጐድኦም ከዓ ኣብ ጭራኡ ኃይሊ ነበሮ። 11ንጉሥ ኣለዎም፤ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፤ ስሙ ብዕብራይስጢ ኣብዶን ብግሪኽ ከዓ ኣጶልዮን ይበሃል ነበረ። 12እቲ ቐዳማይ መከራ ኃሊፉ፤ ድኅርዙይ ከዓ እንሆ ገና ኽልተ መከራ ይመጽእ ኣሎ። 13እቲ ሻድሻይ መልኣኽዉን መለኸቱ ነፍሐ። ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘሎ ብወርቂ ዘተሠርሐ መሠዉዒ ኸዓ ድምፂ ኽወፅእ እንተሎ ሰማዕኹ። 14ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘነበሩ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም በሎ። 15እቶም ነዛ ሰዓት እዚኣን ነዛ መዓልቲ እዚኣን ነዛ ወርሒ እዚኣን ነዛ ዓመት እዚኣን ዘተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ሢሶ ደቂ ሰብ ምእንቲ ኽጾትሉ ተፈትሑ። 16ቊጽሪ ናይቶም ሠራዊት ፈረሰኛታት ድማ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ ኸም ዘኾነ ሰማዕኹ፦ 17ብራእይ ድማ ነቶም ኣፍራስን ነቶም ተቐሚጦምዎም ዘነበሩን ረአኽዎም፤ ድርዖም ከዓ ኸም ሓዊ ቐይሕ ከም ያክንት ሰማያዊ ከም ዲን ድማ ብጫ ዘመስል ነበረ። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል ነበረ። ካብ ኣፎምዉን ሓዉን ትክን ዲንን ይወፅእ ነበረ። 18በቲ ኻብ ኣፎም ዘወፀ ሓዉን ትክን ዲንን በዘን ሠለስተ መዓታት እዚኣተን ሢሶ ሰብ ተቐትለ። 19ኃይሊ እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ፤ እቲ ጭራኦም ተመን እዩ ዘመስል፤ ርእሲዉን ኣለዎም፤ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዘጐድኡ። 20እቶም በዘን መዓታት እዚኣተን እንተይተቐትሉ ዘተረፉ ሰባት ካብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን። ንኣጋንንትን ነቶም ክርእዩ ወይ ክሰምዑ ወይ ክኸዱ ዘይኽእሉ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብእምንን ብዕንፀይትን ዘተሠርሑ ጣዖታት ምምላኽ ኣይሓደጉን። 21ሰብ ካብ ምቕታልን ብኣስማት ካብ ምጥንቋሎምን ካብ ምንዘርናኦምን ካብ ስርቆምን ኣይተነስሑን።


Copyright
Learn More

will be added

X\