ራእይ ዮሓንስ 8

1እቲ በጊዕ ነቲ ሻዉዓይ ማኅተም ምስ ፈትሖ ኸዓ ኣብ ሰማይ ንፍርቂ ሰዓት ዘኣክል ህድኣት ኮነ። 2ድኅሪ እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ደዉ ዘበሉ ሸዉዓተ መላእኽቲ ረአኹ። ሸዉዓተ መለኸትዉን ተዉሃቦም። 3ካልእ መልኣኽዉን ወርቂ ጽንሃህ ሒዙ መጸ እሞ ኣብ ቅድሚ መሠዉዒ ደዉ በለ። ምስቲ ጸሎት ኲሎም ቅዱሳን ወሲኹ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዙፋን ዘሎ መሠዉዒ ወርቂ ምእንቲ ኸቕርቦ ኸዓ ብዙኅ ዕጣን ተዉሃቦ። 4ትኪ እቲ ዕጣን ከዓ ምስቲ ጸሎት ቅዱሳን ኮይኑ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዓረገ። 5እቲ መልኣኽ ድማ ነቲ ጽንሃህ ወሲዱ ካብቲ ኣብ መሠዉዒ ዘሎ ጓሕሪ ሓዊ መልኦ፤ ናብ ምድሪዉን ደርበዮ፤ ነጐድጓድን ዓብዪ ድምፅን መብረቕን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከዓ ኾነ። 6እቶም ሸዉዓተ መለኸት ዘኃዙ ሸዉዓተ መላእኽቲ ድማ መለኸት ክነፍሑ ተዳለዉ። 7እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ፤ ደም ዘተሓወሶ በረድን ሓዉን ድማ መጸ፤ ናብ ምድሪዉን ተደርበየ። ሢሶ ምድሪ ነደደ፤ ሢሶ ኣእዋምዉን ነደደ፤ ኲሉ ለምለም ሣዕሪዉን ነደደ። 8እቲ ኻልኣይ መልኣኽዉን መለኸቱ ነፍሐ፤ ሃልሃል እናበለ ዘነድድ ዓብዪ እምባ ዘመስል ነገር ድማ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሢሶ ባሕሪ ድማ ደም ኮነ። 9ሢሶ ናይቲ ኣብ ባሕሪ ዘነብር ሕይወት ዘለዎ ፍጡርዉን ሞተ፤ ሢሶ መራኽብዉን ጠፍኣ። 10እቲ ሣልሳይ መልኣኽ ከዓ መለኸቱ ነፍሐ፤ ዓብዪ ኮኸብ ከም ሽግ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፤ ኣብ ሢሶ ሩባታትን ኣብ ዓይኒ ማያትን ድማ ወደቑ፡ 11ስም እቲ ኮኸብ ከዓ ምረት እዩ ዘበሃል፤ ሢሶ ማያት ድማ መረረ፤ እቲ ማይ መሪር ብምዃኑዉን ብሰንኪ እቲ መሪር ማይ ብዙኃት ሰባት ሞቱ። 12እቲ ራብዓይ መልኣኽዉን መለኸቱ ነፍሐ፤ ሢሶ ፀሓይን ሢሶ ወርኅን ሢሶ ኸዋኽብትን ተወቕዐ። ናይ ብርሃኖም ሣልሳይ ኣፍ ድማ ጸልመተ። ስለዙይ ሢሶ ናይ መዓልቲ ጸልመተ፤ ሢሶ ናይ ለይቲ ኸዓ ብዘይ ብርሃን ወርኅን ከዋኽብትን ኮነ። 13ድኅርዙይ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእኸል ሰማይ ክዘምቢ እንተሎ ረአኹ። ዓዉ ብዘበለ ድምፂ ኸዓ እቶም ሠለስተ መላእኽቲ ነተን ተሪፈን ዘለዋ መለኸት ምስ ነፍሕወን ነቶም ኣብ ምድሪ ዘነብሩ ዘለዉ ወይለኦም! ወይለኦም! ወይለኦም! እንትብል ሰማዕኹ።


Copyright
Learn More

will be added

X\