ራእይ ዮሓንስ 5

1ኣብ የማን እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ ብዉሽጡን ብደጊኡን ዘተጽሓፈ ብሸዉዓተ ማኅተም ዘተኃትመ ጥቕሉል መጽሓፍ ረአኹ። 2ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ነዘ መጽሓፍ እዙይ ክቐልዖ ንማኅትሙዉን ክፈትሖ ዘበቅዕ መን ኣሎ? እናበለ ብብርቱዕ ድምፂ ዓዉ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ ረአኹ። 3ነቲ መጽሓፍ እቱይ ክቐልዖን ወይ ከንብቦን ዘኽእል ኣብ ሰማይ ኮነ ወይ ኣብ ምድሪ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ሓደኳ ኣይነበረን። 4ኣነ ድማ ነቲ መጽሓፍ ዘቐልዖ ወይ ዘንብቦ ብቑዕ ሓደኳ ስለ ዘይተረኽበ ብዙኅ በኼኹ። 5ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ ኣይትብከ፤ እንሆ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዘርኢ ዳዊት ዘኾነ ኣንበሳ ነቲ መጽሓፍን ነቲ ሸዉዓተ ማኅተማቱን ክኸፍቶ ስዒሩ ኣሎ በለኒ። 6ኣብ ማእኸል እቲ ዙፋን ተሓሪዱ ኸም ዘነበረ ዘመስል በጊዕ ደዉ ኢሉ ረአኹ። እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ኣሕሉቕን ድማ ኣብ ዙርያኡ ነበሩ። ንሱ ሸዉዓተ አቕርንትን ሸዉዓተ አዕይንትን ኣለዉዎ፤ ንሳቶም ከዓ እቶም ናብ ኲላ ምድሪ ዘተልኣኹ ሸዉዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሔር እዮም። 7እቲ በጊዕ መጺኡ ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዙፋን ዘተቐመጠ ወሰዶ። 8ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸዓ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕሥራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕ ብግምባሮም ተደፊኦም ሰገዱ። ነፍስ ወከፎም ከዓ መሰንቆን ዕጣን ዘመልአ ጽዋዕ ወርቅን ሒዞም ነበሩ። እዙይ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳን እዩ። 9ከምዙይ እናበሉ ኸዓ ሓድሽ መዘሙር ዘመሩ፦ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ ነቲ ማኅተሙዉን ክትፈትሖ ይግበአካ እዩ። ተሓሪድካ ሞይትካ ብደምካ ድማ ኻብ ኲሉ ዓሌታትን ቋንቋታትን ሕዘብን ኣሕዛብን ንእግዚኣብሔር ዘኾኑ ሰባት ዓዲግካ ኢኻሞ፤ 10ንኣምላኽና ዘገልግሉ መንግሥትን ካህናትን ገበርካዮም፤ ንሳቶም ድማ ኣብ ምድሪ ኽነግሡ እዮም። 11ሽዑ ድማ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ኣሕሉቕን ከዓ ድምፂ ብዙኃት መላእኽቲ ሰማዕኹ፤ ቝጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ ኣሽሓት ጊዜዉን ኣሽሓት እዩ። 12ዓዉ ብዘበለ ድምፂ ኸዓ ነቲ ዘተሓረደ በጊዕ ሥልጣን ሃብቲ ጥበብ ኃይሊ ኽብሪ ግርማ ዉዳሴ ይግብኦ እዩ! በሉ። 13እቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ኣብኣቶም ዘለዉ ዂሎም ፍጡራን ድማ፦ ዉዳሴን ክብርን ግርማን ሥልጣንን ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ በጊዕን ይኹን! ክብሉ እንተለዉ ሰማዕኹ። 14እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ ኣሜን! በሉ። እቶም ኣሕሉቕዉን ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።


Copyright
Learn More

will be added

X\