ራእይ ዮሓንስ 4

1ድኅርዙይ እንሆ ኣብ ሰማይ ክፉት ኣፍ ደገ ረአኹ። እቲ ኸም መለኸት ዘጥዕም ቅድም ክዛረበኒ እንተሎ ዘሰማዕኽዎ ድምፂ ድማ ነቲ ብድኅሪ ሕዚ ክኸዉን ዘለዎ ነገር ከርእየካስ ነዓ ናብዙይ ደይብ በለኒ። 2ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ብመንፈስ ተመሰጥኩ፤ እንሆ ድማ ኣብ ሰማይ ዙፋን ተቐሪቡ ኣብቲ ዙፋንዉን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ። 3እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘነበረ ኸዓ ትርኢቱ ኽቡር እምኒ ኢያሰጲድን ሰርዲኖንን ይመስል ነበረ። ነቲ ዙፋን ድማ መረግድ ዘመስል ቀስተ ደመና ኸቢብዎ ነበረ። 4ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከዓ ዕሥራን ኣርባዕተን ዙፋናት ረአኹ። ኣብተን ዙፋናትዉን ፃዕዳ ኽዳዉንቲ ዘተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዘደፍኡ ዕሥራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ተቐሚጦም ረአኹ። 5ካብቲ ዙፋን ከዓ መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ወፀ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንዉን ሸዉዓተ ናይ ሓዊ መባርህ ይነዱ ነበሩ። ንሳቶም ሸዉዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሔር እዮም። 6ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ድማ ዘንጸባርቕ መስትያት ዘመስል ባሕሪ ኣሎ። ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን በብመኣዘኑ ብቕድሚቶምን ብድኅሪቶምን ኣዕይንቲ ዘመልኦም ኣርባዕተ እንስሳ ኣለዉ። 7እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኣንበሳ ይመስል፤ እቲ ኻልኣይ እንስሳ ብዕራይ ይመስል፤ እቲ ሣልሳይ እንስሳ ኸዓ ናይ ሰብ ዘመስል ገጽ ኣለዎ፤ እቲ ራብዓይ እንስሳ ድማ ዘነፍር ንስሪ ይመስል። 8እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍስ ወከፎም ሸሽዱሽተ ኽንፊ ኣለዎም። ብዙርያኦምን ብዉሽጦምን ኣዕይንቲ ዘመልኦም እዮም፤ ለይትን መዓልትን እንተየቋረጹ ድማ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ኲሉ ዘኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዘነበረን ዘሎን ዘመጽእን ካብ ምባል ኣየቋርጹን ነበሩ። 9እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዙፋን ዘተቐመጠ ንዘለዓለመ ዓለም ሕያዉ ኮይኑ ንዘነብር ክብርን ሞገስን ምስጋናን ክህብዎ እንተለዉ 10እቶም ዕሥራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዙፋን ዘተቐመጠ ፍግም ኢሎም ነቲ ንዘለዓለመ ዓለም ሕያዉ ኮይኑ ዘነብር ሰገዱሉ። ኣኽሊላቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ኣንቢሮም ከዓ፦ 11ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን! ንስኻ ኽብርን ምስጋናን ሥልጣንን ይግበአካ እዩ። ንዂሉ ንስኻ ፈጠርካዮ፤ ፍቓድካ ስለ ዘኾነ ድማ ተፈጢሩን ህላዌ ረኺቡን ኣሎሞ በሉ።


Copyright
Learn More

will be added

X\