ራእይ ዮሓንስ 15

1ሽዑ ኻልእ ዓብይን ዘገርምን ምልክት ኣብ ሰማይ ረአኹ፤ ሸዉዓተ መዓታት ዘኃዙ ሸዉዓተ መላእኽቲ ረአኹ፤ እዚኣተን እተን እግዚኣብሔር ብኣኣተን ገይሩ ቝጥዓኡ ዘፍጽመለን ናይ መወዳእታ መቕሠፍትታት እየን። 2ድኅርዙይ ብርለ ዘመስል ባሕሪ ረአኹ፤ ንሱዉን ምስ ሓዊ ዘተኃዋወሰ እዩ። እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ነቲ መጸዉዒኡ ዘኾነ ቝጽርን ዘሠዓሩ እግዚኣብሔር ዘሃቦም በገናታት ኂዞም ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ መስትያት ደዉ ኢሎም ረአኹ። 3መዘሙር እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዘኾነ ሙሴን መዘሙር እቲ በጊዕን ከምዙይ እናበሉ ይዘምሩ ነበሩ፦ ኦ ዂሉ እትኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ! ሥራሕኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኦ ንጉሥ ዘለዓለም! መንገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። 4ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ ኦ እግዚኣብሔር! ዘይፈርሐካን ንስምካ ዘየኽብርን መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ ኲሎም ኣሕዛብ ክመጹ ኣብ ቅድሜኻዉን ክሰግዱ እዮም። 5ድኅርዙይ ድማ ረአኹ እንሆ እታ ድንኳን ምስክር ዘኾነት ቤተ መቕደስ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት። 6እቶም ሸዉዓተ መቕሠፍትታት ዘኃዙ ሸዉዓተ መላእኽቲ ኻብ ቤተ መቕደስ ወፁ። ንሳቶም ካብ ሃሪ ዘተሠርሐ ዘንጸባርቕ ጽሩይ ክዳን ተኸዲኖም ኣብ ኣፍ ልቦምዉን ቅናዉቲ ወርቂ ተዓጢቖም ነበሩ። 7ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ ካብ ቊጥዓ እቲ ንዘለዓለመ ዓለም ዘነብር እግዚኣብሔር ዘተመልአ ሸዉዓተ ጽዋዕ ወርቂ ነቶም ሸዉዓተ መላእኽቲ ሃቦም። 8እታ መቕደስ ድማ ኻብቲ ናይ እግዚኣብሔር ግርማን ኃይልን ዘተልዓለ ብትኪ መልአት። ናይቶም ሸዉዓተ መላእኽቲ ሸዉዓቲአን መቕሠፍትታት ክሳዕ ዘዉድኣ ኸዓ ሓደኳ ናብ መቕደስ ክኣቱ ኣይከኣለን።


Copyright
Learn More

will be added

X\