ራእይ ዮሓንስ 10

1ድኅርዙይ ኻልእ ብርቱዕ መልኣኽ ደመና ተወንዚፉ ኻብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ ቐስተ ደመና ነበረ፤ ገጹ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩዉን ከም ኣዕማድ ሓዊ ነበራ። 2ኣብ ኢዱ ኸዓ ሓንቲ ንእሽተይ ቅልዕቲ መጽሓፍ ነበረቶ። የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ ጸጋመይቲ እግሩ ድማ ኣብ ምድሪ ረገጸ። 3ከም ዘጓዘም ኣንበሳ ኸዓ ብብርቱዕ ድምፂ ጸርሐ። ምስ ጸርሐ ድማ እቶም ሸዉዓተ ነጐድጓዳት ድምፂ ኣስምዑ ። 4እቶም ሸዉዓተ ነጐድጓዳት ድምፆም ምሰስምዑ ኽጽሕፍ ደለኹ። እንተኾነ ኻብ ሰማይ ነቲ እቶም ሸዉዓተ ነጐድጓዳት ዘተዛረብዎስ ሕተሞ ደኣ እምበር ኣይትጽሓፎ ዘብል ድምፂ ሰማዕኹ። 5እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደዉ ኢሉ ዘረአኽዎ መልኣኽ ድማ የማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣልዓለ እሞ 6በቲ ንዘለዓለመ ዓለም ሕያዉ ዘኾነ ንሰማይን ኣብ ዉሽጡ ዘሎን ንምድሪን ኣብ ዉሽጡ ዘሎን ንባሕርን ኣብ ዉሽጡ ዘሎን ብዘፈጠረ እግዚኣብሔር መሓለ እሞ ደጊምስ ኣይድንጕን እዩ! 7እንተኾነ በተን እቲ ሻዉዓይ መልኣኽ ድምፂ መለኸት ዘስምዐለን መዓልትታት ከምቲ ነቶም ኣገልገልቱ ነቢያት ዘበሎም ሽዑ እቲ ምሥጢር እግዚኣብሔር ክፍጸም እዩ። 8እቲ ኻብ ሰማይ ዘሰማዕኽዎ ድምፂ ኸዓ ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደዉ ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ ቕልዕቲ መጽሓፍ ዉሰዳ ኢሉ ደጊሙ ተዛረበኒ። 9ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ ነታ ንእሽተይ መጽሓፍ ሃበኒ በልክዎ። ንሱ ኸዓ ዉሰዳ እሞ ብልዓያ፤ ንኸብድኻ መራር ክትከዉን እያ፤ ኣብ ኣፍካ ግና ኸም መዓር ጥዕምቲ ኽትከዉን እያ በለኒ። 10ነታ ንእሽተይ መጽሓፍ ከዓ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕኽዋ፤ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዓመትኒ፤ ምስ በላዕኽዋ ግና ንኸብደይ መረረታ እሞ 11ኣብ ልዕሊ ብዙኃት ሕዘብታትን ኣሕዛብን ዘተፈላለየ ቛንቋታት ንዘዛረቡ ሕዘብን ነገሥታትን ደጊምካ ኽትንበ ኣለካ በለኒ።


Copyright
Learn More

will be added

X\