ወንጌል ማቴዎስ 3

1- 2በቲ ወርኃት እቱይ ዮሓንስ መጥምቕ  መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ንስሓ እተዉ  እናበለ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መጸ። 3እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ  ጐደና እግዚኣብሔር ጽረጉ መንገዱውን ኣቕንዑ › ኢሉ ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምፂ ኣዋጅ ነጋሪ  ተብሂሉ ዝተነግረሉ ንሱ ዮሓንስ እዩሞ። 4ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ገመል ዝተሠርሐ ነበረ፤ ዕጣቕ ሕቝኡ ድማ ፈልቍ ቅርበት ቀለቡ ኸዓ ኣንበጣን መዓር ጽዴናን ነበረ። 5ሽዑ ሰብ ኢየሩሳሌምን ኲሎም ሰብ ይሁዳን ኲሉ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ ይመጹ ነበሩ። 6ኃጢኣቶም እናተናዘዙ ኸዓ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብዮሓንስ ይጥመቑ ነበሩ። 7ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙኃት ክጥመቑ እንትመጹ ምስ ረአየ ኸምዙይ በሎም፦  ኣቱም ውሉድ ኣትማን ካብቲ ዝመጽእ መዓት ክተምልጡ መን ሓበረልኩም? 8እምበኣርከስ ንንስሓ ዘብቅዕ ፍረ ኣፍርዩ። 9ብልብኹም ኣብርሃም ኣቦ ኣለና› ብምባል እተምልጡ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን ውሉድ ከተሥአሉ ንእግዚኣብሔር ከም ዝከኣሎ እብለኩም ኣለኹ። 10እንሆ ሕዚ ማሕፀ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተቐሪቡ ኣሎ። እምበኣር ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዂሉ ኦም ይቝረጽ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 11ኣነስ ንንስሓ ብማይ አጥምቐኩም ኣለኹ፤ እቲ ብድኅረይ ዝመጽእ ግና ካባይ ይኅይል እዩ፤ ኣነ ኣሣእኑ ኽፀውር እኳ ኣይበቅዕን እየ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ከጥምቐኩም እዩ። 12ዓውዱ ዘጽርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፤ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቓጽሎ እዩ።  13ሽዑ ኢየሱስ ብዮሓንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። 14ዮሓንስ ግና  ኣነ ደኣ ብኣኻ ኽጥመቕ ይግብአኒ እምበር ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ!  ኢሉ ኣበዮ። 15ኢየሱስ ከዓ  ኲሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብአና እዩ እሞ ሕዝስ ኅደግ! ይኹን ደኣ  ኢሉ መለሰሉ። ድኅርዙይ  ይኹን  በሎ። 16ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ ሽዑ ንሽዑ ካብ ማይ ወፀ። እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፈተ፤ መንፈስ እግዚኣብሔር ድማ ኸም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ እንትዓልብ ረአየ። 17እንሆ ድማ  ብእኡ ዝተሓጐስኩ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ  ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መጸ።


Copyright
Learn More

will be added

X\