ወንጌል ማቴዎስ 28

1ድኅሪ ሰንበት ለይቲ ናብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን ዘውግሕ ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይታ ማርያምን ነቲ መቓብሩ ኽሪኣ መጻ። 2እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ወረደ እሞ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ቅርብ ኢሉ ኸዓ ነቲ እምኒ ኣንከባሊሉ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። 3ትርኢቱ ኸም መብረቕ ዘንጸባርቕ ክዳኑ ድማ ኸም በረድ ፃዕዳ ነበረ። 4እቶም ሓለውቲ መቓብር ድማ ፈሪሖም ኣንቀጥቀጡ፤ ከም ዝሞቱውን ኮኑ። 5እቲ መልኣኽ ድማ መሊሱ ነተን ኣንስቲ  ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ኸም ዘለኽን እፈልጥ እየ እሞ ኣይትፍርኃ። 6ንሱ ኣብዙይ የለን፤ ከምቲ ዝበሎ ተሢኡ እዩሞ ንዕነ ነታ ጐይታ ተቐቢሩላ ዝነበረ ሥፍራ ረአያ። 7ቀልጢፍክን ከይድክን ንደቀ መዛሙርቱ ካብ ሞት ተሢኡ እዩ፤ እንሆ ንሱ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ፤ ኣብኡ ድማ ኽትርእይዎ ኢኹም› ኢልክን ንገራኦም፤ እንሆ ነጊረክን ኣለኹ!  በለን። 8ንሳተን ከዓ ኻብቲ መቓብር ብፍርኃትን ብዝለዓለ ታሕጓስን ቀልጢፈን ወፃ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ኸበሥራኦም ድማ ጐየያ። 9ክነግራኦም እናኸዳ እንተለዋ እንሆ ኢየሱስ ተራኸበን እሞ  ሰላም ንኣኻትክን ይኹን!  በለን። ንሳተን ከዓ ቕርብ ኢለን እግሩ ኂዘን ሰገዳሉ። 10ሽዑ ኢየሱስ  ኣይትፍርኃ! ናብ ኣኅዋተይ ከይድክን ናብ ገሊላ ክኸዱ ንገራኦም ኣብኡ ድማ ኽርእዩኒ እዮም  በለን። 11ንሳተን ምስ ከዳ እንሆ ገሊኣቶም ካብቶም ወታደራት ናብታ ኸተማ ኣትዮም ኲሉ እቲ ዝኾነ ንሊቃነ ካህናት ነገርዎም። 12ንሳቶም ድማ ምስቶም ዓበይቲ ተኣኪቦም መኸሩ፤ ብዙኅ ገንዘብ ከዓ ነቶም ወታደራት ሃብዎም። 13 ንሕና ደቂስና እንተለና ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ሰሪቖምዎ› ኢልኩም ንገሩ። 14እዝ ነገር እዙይ ኣብቲ ሹም ኣሕዛብ እንተ ተሰምዐ ንሕና ኽነረድኦ ኢና፤ ንኣኻትኩም ድማ ሽግር ከም ዘይበጽሐኩም ክንገብር ኢና  በልዎም። 15ንሳቶም ድማ ገንዘብ ተቐቢሎም ከምቲ ዝነገርዎም ገበሩ። እዝ ነገርዙይ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ኣይሁድ ይንገር ኣሎ። 16እቶም ዓሠርተ ሓደ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ ኢየሱስ ክኸዱ ዝነገሮም እምባ ናይ ገሊላ ኸዱ። 17ምስ ረአይዎ ኸዓ ሰገዱሉ፤ ገሊኦም ግና ተጠራጠሩ። 18ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ  ሥልጣን ሰማይን ምድርን ኲሉ ተውሂቡኒ ኣሎ፤ 19እምበኣር ኪዱ እሞ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም። 20ነቲ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ምእንቲ ኽሕልዉዎ መሃርዎም! እንሆ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኲሉ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ  በሎም።


Copyright
Learn More

will be added

X\