ወንጌል ማቴዎስ 27

1ምስ ወግሐ ኲሎም ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን ንኢየሱስ ክቐትልዎ ተማኸሩ። 2ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ ንጲላጦስ ነቲ ሹም ኣኅሊፎም ሃብዎ። 3- 4ሽዑ እቲ ዘትኀዞ ይሁዳ ንኢየሱስ ከም ዝተፈርዶ ምስ ረአየ ተናሲሑ  ንጹሕ ሰብ ንሞት ኣኅሊፈ ብምሃበይ በዲለ  እናበለ ነቲ ሠላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን መለሶ። ንሳቶም ግና  ንሕና እንታይ ኣእትዩና! ባዕልኻ ትፈልጥ!  በልዎ። 5ንሱ ኸዓ ነቲ ሠላሳ ቕርሺ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወፀ፤ ከይዱውን ተሓኒቑ ሞተ። 6እቶም ሊቃነ ካህናት ግና ነቲ ገንዘብ ወሲዶም  ዋጋ ደም ስለ ዝኾነ ኣብ ሙዳየ ምጽዋት ክነእትዎ ኣይግባእን እዩ  በሉ። 7ተማኺሮም ከዓ ብእኡ ንመቓብር ኣጋይሽ ዝኸውን ግራት ሠራሕ ኣቅሓ መሬት ዓደጉሉ። 8ስለዙይ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ  ግራት ደም  ትብሃል ኣላ። 9እቲ ብነቢይ ኤርምያስ  ነቲ ደቂ እስራኤል ዋጋ ዝገምገሙሉ ዋጋ ናይቲ ኽቡር ሠላሳ ብሩር ወሰዱ። 10ከምቲ እግዚኣብሔር ዝኣዘዘኒውን ንግራት ሠራሕ ኣቅሓ መሬት ሃብዎ  ኢሉ ዝተነግረ ቃል ተፈጸመ። 11ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ገዛኢ ቖመ። እቲ ገዛኢ ድማ  ንስኻዶ ንጉሥ ኣይሁድ ኢኻ?  ኢሉ ጠየቖ። ኢየሱስ ከዓ  ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ  በሎ። 12ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን ክኸስዎ እንተለዉ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን። 13ሽዑ ጲላጦስ  ብኽንደይ ነገራት ኣብ ልዕሌኻ ይምስክሩ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ?  በሎ። 14ንሱ ግና እቲ ገዛኢ ኼርና ኽሳዕ ዝግረም ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን። 15እቲ ገዛኢ ብበዓል ነቶም ሕዝቢ ዝደለይዎ ሓደ እሱር ክፈትሓሎም ልማድ ነበሮ። 16ሽዑ በርባን ዝተብሃለ ብዓመፅ ዝተፈለጠ ሓደ እሱር ነበረ። 17- 18ጲላጦስ ከዓ ንኢየሱስ ብቕንኣት ከም ዘትኃዝዎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እቶም ሕዝቢ ምስ ተኣከቡ  ነይንኦም ክፈትሐልኩም ትደልዩ? ንበርባንዶ ወይ ነዝ ክርስቶስ ዝብሃል ኢየሱስ?  በሎም። 19ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ ሰበይቱ  ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ ብዛዕብኡ ብዙኅ ተሳቕየ እየ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ጻድቕ ሰብ ሓንቲ ኸይትብድል ተጠንቀቕ!  ኢላ ለኣኸትሉ። 20ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ግና ነቶም ሕዝቢ  በርባን ይፈታሕ! ኢየሱስ ግና ይቀተል!  ኢሎም ንኽልምኑ ሕራይ ኣበልዎም። 21ሽዑ እቲ ገዛኢ  ካብ ክልቲኦም ነይንኦም ክፈትሐልኩም ትደልዩ?  ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ  ንበርባን!  በልዎ። 22ጲላጦስ ከዓ  ነዝ ክርስቶስ ዝተብሃለ ኢየሱስከ እንታይ ክገብሮ?  በሎም። ኲሎም ድማ  ይሰቐል!  በሉ። 23ጲላጦስ  ንሱ እንታይ ክፉእ ገበረ?  በሎም። ንሳቶም ግና  ይሰቐል!  እናበሉ ኣበርቲዖም ጸርሑ። 24ስለዙይ ጲላጦስ እዝ ነገር እዙይ ሁከት ንምልዕዓል እንተ ዘይኮይኑ ኻልእ ምንም ከም ዘይጠቅም ምስ ረአየ ማይ ወሲዱ  ኣነ ኻብ ደም እዝ ጻድቕ ሰብ እዙይ ንጹሕ እየ፤ ባዕልትኹም ትፈልጡ!  እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ሕዝቢ ኣእዳዉ ተሓጸበ። 25ኲሎም እቶም ሕዝቢ ኸዓ  ደሙ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን!  ኢሎም መለሱሉ። 26ሽዑ ንበርባን ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኽስቀል ኣኅሊፉ ሃቦም። 27ድኅርዙይ እቶም ወታደራት ጲላጦስ ንኢየሱስ ናብ ቤተ መንግሥቲ ወሲዶም ነቲ ሠራዊት ብምሉኡ ናብኡ ኣከብዎ። 28ክዳኑ ገፊፎም ከዓ ቐይሕ ካባ ኸደንዎ። 29ናይ እሾኲ ኣኽሊል ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፤ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትኂዞም ከዓ ኣብ ቅድሚኡ እናተምበርከኹ  ሰላም! ኦ ንጉሥ ኣይሁድ!  እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። 30እንትፍ ድማ በሉሉ፤ ነቲ ዘንጊ ኣኅዲጎም ከዓ ርእሱ ወቕዕዎ። 31ምሰላገጹሉ ድማ ነቲ ቐይሕ ካባ ቐንጢጦም ክዳውንቱ ኸደንዎ፤ ክሰቕልዎውን ወሰድዎ። 32ክወፁ እንተለዉ ድማ ስምዖን ዝስሙ ሓደ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ እሞ ንመስቀል ኢየሱስ ክፀውር ኣገደድዎ። 33ጎልጎታ ትርጕሙ  ሓምሓም ርእሲ  ተብሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ሥፍራ ምስ በጽሑ 34ሓሞት ዝተሓወሶ መጺጽ ወይኒ ኽሰቲ ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ጥዒሙ ምስታይ ኣበየ። 35ምስ ሰቐልዎ ነቲ ኽዳውንቱ ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ። 36ኣብኡ ተቐሚጦም ከዓ ይሕልውዎ ነበሩ። 37ኣብ ልዕሊ ርእሱ ድማ  እዙይ ኢየሱስ ንጉሥ ኣይሁድ እዩ?  ዝብል ናይ መኽሰሲኡ ጽሑፍ ኣንበሩሉ። 38ሽዑ ምስኡ ኽልተ ኸተርቲ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ ተሰቕሉ። 39እቶም ብጥቕኡ ዝኃልፉ ዝነበሩ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ 40 ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካ ብሠለስተ መዓልቲ እትሓንጽ እስኪ ርእስኻ ኣድኅን! ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ደኣ ኴንካስ እስኪ ኻብ መስቀል ውረድ!  እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። 41ከምኡ ድማ እቶም ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ኮይኖም፦ 42 ንኻልኦት ኣድኃነ፤ ንርእሱ ግና ከድኅን ኣይከኣለን! ንሱ ንጉሥ እስራኤል እንተ ድኣ ኾይኑስ እስኪ ሕዚ ኻብ መስቀል ይውረድ፤ ንሕና ኸዓ ብእኡ ኽንኣምን! 43ንሱ ብእግዚኣብሔር ተኣሚኑ እዩ፤ ኣነ ወዲ እግዚኣብሔር እየ› እውን ኢሉ እዩ እሞ ዝፈትዎ እንተ ደኣ ኾይኑስ እስኪ ሕዚ የድኅኖ!  እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። 44ከምኡ ኸዓ እቶም ምስኡ ዝተሰቐሉ ኸተርቲውን የላግጹሉ ነበሩ። 45እንሆ ካብ ሽዱሽተ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ኲሉ ምድሪ ጸልመተ። 46ብታሽዐይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኢየሱስ  ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ?  እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ዓው ኢሉ ጸርሐ፤ እዙይ ከዓ  ኣምላኸይ! ኣምላኸይ! ንምንታይ ኃደግካኒ?  ማለት እዩ። 47ገሊኦም ካብቶም ኣብኡ ቆይሞም ዝነበሩ ሰባት ነዙይ ምስ ሰምዑ   እዙይስ ንኤልያስ እዩ ዝጽውዕ ዘሎ!  በሉ። 48ሽዑ ሓደ ኻብኣቶም ጐይዩ፤ ሰፍነግ ወሲዱ ኣብ መጺጽ ኣሊኹ ኣብ ዘንጊ ኣሲሩ ንኽሰትዮ ኣቕረበሉ። 49ገሊኦም ግና  ኅደግዎ! ኤልያስ መጺኡ ዘድኅኖ እንተ ኾይኑ ኽንርኢ ኢና!  በሉ። 50ኢየሱስ ደጊሙ ብዓብዪ ድምፂ ጸርሐ፤ ነፍሱ ድማ ወፀት። 51እንሆ ኸዓ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተቐደደ፤ ምድሪ ተናወጸት፤ ኣኻውሕ ድማ ተጨደዱ። 52መቓብራትውን ተኸፍቱ፤ ሞይቶም ዝነበሩ ናይ ብዙኃት ቅዱሳን ሬሳታት ድማ ካብ ሞት ተሥኡ። 53ከካብ መቓብሮም ወፂኦም ድኅሪ ትንሣኤኡ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣተዉ፤ ንብዙኃትውን ተርኣይዎም። 54እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንኢየሱስ ክሕልዉ ምስኡ ዝነበሩን ከዓ ነቲ ምንዋጽ ምድርን ነቲ ዝኾነ ነገራትን ርእዮም  እዙይስ እማን ወዲ እግዚኣብሔር እዩ!  እናበሉ የመና ፈርኁ። 55ኣብኡ ኸዓ ንኢየሱስ እናኣገልገላኦ ኻብ ገሊላ ጀሚረን ዝተኸተላኦ ብዙኃት ኣንስቲ ብርኁቕ ይዕዘባ ነበራ። 56ካብኣተንውን ማርያም መግደላዊት ማርያም እኖ ያዕቆብን ዮሳን እኖ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ። 57ምስ መሰየ ግና ዮሴፍ ዝተብሃለ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መጸ። ንሱ ኸዓ ደቀ መዝሙር ኢየሱስ ነበረ። 58ናብ ጲላጦስ ቀሪቡ ድማ ናይ ኢየሱስ ሥጋ ኽህቦ ለመነ። ሽዑ ጲላጦስ ክህብዎ ኣዘዘ። 59ዮሴፍ ድማ ነቲ ናይ ኢየሱስ ሥጋ ወሲዱ ብጽሩይ ጻዕዳ ሓሪ ገነዞ፤ 60ኣብቲ ኣብ ኰዂሒ ዘውቀሮ ናይ ባዕሉ ሓድሽ መቓብርውን ቀበሮ፤ ሓደ ዓብዪ እምኒ ኣንከባሊሉ ድማ ነቲ ኣፍ መቓብር ዓጽይዎ ኸደ። 61ኣብኡ ኸዓ ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይታ ማርያምን መንጽር እቲ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ። 62ንጽባሒቱ ድኅሪ እታ መዓልቲ ምድላው ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተኣከቡ እሞ ናብ ጲላጦስ ከይዶም 63 ጐይታና! እቲ መስሓቲ ብሕይወቱ እንተሎ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ኽትሥእ እየ› ከምዝበለ ዘከርና። 64ስለዙይ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ከይሰርቅዎ ንሕዝቢ ኸዓ ካብ ሞት ተሢኡ ኸይብሉ እሞ ካብ እታ ቐዳመይቲ እታ ዳኅረወይቲ ጌጋ ዝገደደት ከይትኸውንስ ክሳዕ ሣልሳይ መዓልቲ እቲ መቓብር ብጽኑዕ ኽሕሎ ኣዝዝ!  በልዎ። 65ጲላጦስ ከዓ  ሓለውቲ ኂዝኩም ኪዱ እሞ ከም እትፈልጥዎ ጌርኩም ኣጽኒዕኹም ሓልዉ  በሎም። 66ንሳቶም ድማ ኸይዶም ነቲ ናይ መቓብር እምኒ ብማኅተም ኃቲሞም ነቲ መቓብር ብወታደራት ኣጽኒዖም ኣሐለውዎ።


Copyright
Learn More

will be added

X\