ወንጌል ማቴዎስ 2

1- 2ኢየሱስ ብዘመን ንጉሥ ሄሮድስ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ ምስ ተወለደእንሆ ካብ ሃገር ምብራቕ ዝተልዓሉ ሰብኣ ሰገል  ኮኸቡ ብምብራቕ ርኢና ኽንሰግደሉ መጺእና እሞ  እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ?  እናበሉ ናብ ኢየሩሳሌም በጽሑ። 3ንጉሥ ሄሮድስ እዙይ ሰሚዑ ደንግጸ፤ ኲሎም ሕዝቢ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ ደንገጹ። 4ንሱ ድማ ንዂሎም ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕዝብን ኣኪቡ  ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዝውለድ?  ኢሉ ጠየቖም። 5- 6ንሳቶም ከዓ  ኣቲ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ ንሕዝበይ እስራኤል ዝሕልዎም ንጉሥ ካባኺ ኽወጽእ እዩሞ ካብ ነገሥታት ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ› ዝብል ብነቢይ ተጽሒፉ ስለ ዘሎ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ እዩ  በልዎ። 7ድኅርዙይ ሄሮድስ ንሰብኣ ሰገል ብኅቡእ ጸዊዑ  ካብኣቶም ድማ ዘመን እቲ ዝተርኣዮም ኮኸብ ኣጸቢቑ ተረድአ። 8ናብ ቤተ ልሔም ድማ ሰደዶምሞ  ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕፃን ብጥንቃቐ መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ ድማ ኣነ መጺአ ምእንቲ ኽሰግደሉ ንገሩኒ  በሎም። 9ንሳቶም ከዓ ኻብቲ ንጉሥ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ እቲ ብምብራቕ ዝረአይዎ ኮኸብ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕፃን ዝነበራ ቦታ መጺኡ ኽሳዕ ዝቐውም መርሖም። 10ነቲ ኮኸብ ምስ ረአይዎ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሓጐሱ። 11ናብ ቤት ኣትዮም ነቲ ሕፃን ምስ ማርያም እኖኡ ረአይዎ። ተደፊኦም ድማ ሰገዱሉ። ሣጹኖም ከፊቶም ከዓ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸት ኣቕረቡሉ። 12ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ብሕልሚ ስለ ዘጠንቀቖም ብኻልእ መንገዲ ናብ ሃገሮም ተመለሱ። 13ንሳቶም ምስ ከዱ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርአዮ፤  ሄሮድስ ነዝ ሕፃን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተሥእ ነዝ ሕፃንን ንኖኡን ኂዝካ ናብ ግብጺ ህደም ክሳዕ ዝነግረካ ኸዓ ኣብኡ ጽናሕ  በሎ። 14ዮሴፍ ድማ ተሢኡ ነቲ ሕፃንን ንኖኡን ኂዙ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ። 15እቲ እግዚኣብሔር ብነቢይ  ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕኽዎ  ዝበሎ ምእንቲ ኽፍጸም ድማ ሄሮድስ ክሳዕ ዝመውት ኣብኡ ጸንሐ። 16ሽዑ ሄሮድስ እቶም ሰብኣ ሰገል ከም ዘላገጹሉ ምስ ረአየ ብዙኅ ተቖጥዐ እሞ ንዂሎም ሕፃናት ቤተ ልሔምን ኣብ ኲሉ ኸባቢኣን ንዝነበሩን ካብ ሰብኣ ሰገል ጠይቑ ብዝተረድኦ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዝነበሩ ሕፃናት ሠራዊቱ ልኢኹ ኣቕተለ። ሽዑ እቲ ብነቢይ ኤርምያስ፦ 17- 18 ኣብ ራማ ድምፅን ብዙኅ ዋይዋይታን ብኽያትን ተሰምዐ፤ ራሄል ምእንቲ ደቃ በኸየት ሞይቶም እዮም እሞ ምጽንናዕ ኣበየት  ዝተብሃለ ተፈጸመ። 19ሄሮድስ ምስ ሞተ እንሆ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርአዮ እሞ 20 እቶም ነዝ ሕፃን እዙይ ክቐትልዎ ዝደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ ተሥእ! ነዝ ሕፃንን ንኖኡን ኂዝካ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ!  በሎ። 21ንሱ ድማ ተሢኡ ነቲ ሕፃንን ንኖኡን ኂዙ ናብ ምድሪ እስራኤል ተመለሰ። 22ግና ኣርኬላዎስ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ ኣብ ይሁዳ ኸም ዝነገሠ ሰሚዑ ናብኡ ምኻድ ፈርኀ። ብሕልሚ ምስ ተገልጸሉ ድማ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ። 23እቲ ብነቢያት  ናዝራዊ ኽብሃል እዩ  ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍጸም ናዝሬት ናብ እትብሃል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ።


Copyright
Learn More

will be added

X\