ወንጌል ማቴዎስ 1

1ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም ናይ ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትውልዲ መጽሓፍ፦ 2ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፤ ይስሓቅ ንያዕቆብ ወለደ፤ ያዕቆብ ንይሁዳን ነኅዋቱን ወለደ 3ይሁዳ ኸዓ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ ኤስሮም ንኣራም ወለደ 4ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ 5ሰልሞን ካብ ረኣብ ንቦኤዝ ወለደ ቦኤዝ ካብ ሩት ንኢዮቤድ ወለደ ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ 6እሴይ ንንጉሥ ዳዊት ወለደ። ንጉሥ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኦርዮ ንሰሎሞን ወለደ 7ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ ሮብኣም ንኣብያ ወለደ ኣብያ ንኣሳፍ ወለደ 8ኣሳፍ ንኢዮሳፍጥ ወለደ ኢዮሳፍጥ ንኢዮራም ወለደ ኢዮራም ንዖዝያ ወለደ 9ዖዝያ ንኢዮኣታም ወለደ ኢዮኣታም ንኣካዝ ወለደ ኣካዝ ንሕዝቅያስ ወለደ 10ሕዝቅያስ ንምናሴ ወለደ ምናሴ ንኣሞጽ ወለደ ኣሞጽ ንኢዮስያስ ወለደ 11ኢዮስያስ ከዓ ብጊዜ ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያንን ነኅዋቱን ወለደ። 12ድኅሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያን ንሰላትያል ወለደ ሰላትያል ንዘሩባቤል ወለደ 13ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ ኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ 14ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ 15ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ ማታን ንያዕቆብ ወለደ 16ያዕቆብ ድማ ክርስቶስ ዝተብሃለ ኢየሱስ ንዝወለደት ንሕጹይ ማርያም ንዮሴፍ ወለደ። 17እምበኣር ኲሉ ትውልዲ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሠርተ ኣርባዕተ ትውልዲ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሠርተ ኣርባዕተ ትውልዲ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሠርተ ኣርባዕተ ትውልዲ እዩ። 18ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዙይ እዩ፦ እኖኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ እንተላ እንተይቲረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። 19ሕጹያ ዮሴፍ ግና ጻድቕ ስለ ዝነበረ ብኅቡእ ክኃድጋ ድኣ ሓሰበ እምበር ክገልጻ ኣይደለየን። 20እዙይ እናሓሰበ እንተሎ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሔር ብሕልሚ ተርአዮ ከምዙይ ድማ በሎ፦  ዮሴፍ ወዲ ዳዊት እቲ ኻብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ንሕጽይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራኅ። 21ወዲ ኽትወልድ እያ ንሱ ንሕዝቡ ኻብ ኃጢኣቶም ከድኅኖም እዩሞ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ። 22- 23እዝ ዂሉ ዝኾነ ድማ እቲ እግዚኣብሔር ብነቢይ  እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወድውን ክትወልድ እያ ስሙ ኸዓ ኣማኑኤል ክብልዎ እዮም ትርጕሙ ድማ እግዚኣብሔር ምሳና› ማለት እዩ  ኢሉ ዝተዛረባ ምእንቲ ኽፍጸም እዩ። 24ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተሢኡ ኸምቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንሕጽይቱ ማርያም ድማ ወሰዳ፤ 25በዂሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ኣይፈለጣን፤ ኢየሱስ ኢሉ ድማ ሰመዮ።


Copyright
Learn More

will be added

X\