ወንጌል ማርቆስ 16

1ሰንበት ምስ ኃለፈት ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ያዕቆብን ሰሎሜን ሥጋ ኢየሱስ ኽቐብኣ ምዑ ዝ ሽቱ ዓደጋ። 2በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንጉሆ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ናብቲ መቓብር ገሥገሣ። 3ንስንሳተን ከዓ  ነቲ እምኒ ኻብቲ ኣፍ መቓብር መን ከልዕለልና እዩ?  ተባሃሃላ፤ እቲ እምኒ ኼርና ገዚፍ ነበረ እሞ። 4ቅንዕ ኢለን እንተ ጠመታ እቲ እምኒ ተገልቢጡ ረአያኦ። 5ናብቲ መቓብር ኣትየን ከዓ ፃዕዳ ኽዳን ዝተኸደነ ጐበዝ ኣብ ወገን የማን ተቐሚጡ ምስ ረአያ የመና ደንገፃ። 6ንሱ ግና  ኣይትደንግፃ! ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ኢኽን እትደልያ ዘለኽን፤ ተሢኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን፤ እቲ እተቐብረሉ ቦታ እንሆ። 7ስለዙይ ኪዳ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ፤ ከምቲ ዝበለኩም ከዓ ኣብኡ ኽትሪእዎ ኢኹም› ኢልክን ንገራኦም  በለን። 8ፍርኃትን ራዕድን ምድናቕን ኂዝወን ነበረ እሞ ካብቲ መቓብር ወፂአን ጐየያ፤ ፈሪኀን ስለ ዝነበራ ኸዓ ንሓደኳ ኣይነገራን። 9በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን ንግሆ ምስ ተሥአ ነታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዘውፅአላ ማርያም መግደላዊት ኣቐዲሙ ተርአያ። 10ንሳ ድማ ኸይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ እናበኸዩን እናጐሃዩን እንተለዉ ነገረቶም። 11ንሳቶም ግና ንሱ ሕያው ከምዝኾነን ንአኣውን ከም ዝተርአያን ሰሚዖም ኣይኣመንዋን። 12ድኅርዙይ ኢየሱስ ንኽልተ ኻብኣቶም ካብቲ ኸተማ ወፃኢ ናብ ዝርከብ ዓዲ እናኸዱ እንተለዉ ኣብ መንገዲ ብኻልእ መልክዕ ተርአዮም። 13ንሳቶም ከዓ ተመሊሶም ነቶም ብጾቶም ነገርዎም፤ እንተኾነ ንኣኣቶምውን ኣይኣመንዎምን። 14ብድኅሪኡ ነቶም ዓሠርተ ሓደ ደቀ መዛሙርት ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እንተለዉ ተርአዮም፤ ነቶም ምስ ተሥአ ዝረአይዎ ኣይኣመንዎምን ነበሩ እሞ ብዘይ ምእማኖምን ትረት ልቦምን ገሠጾም። 15ከምዙይውን በሎም፦  ናብ ኲሉ ዓለም ኪዱ፤ ንዂሉ ፍጥረት ከዓ ወንጌል ስበኹ። 16እቲ ዝኣመነን ዝተጠመቐን ክድኅን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ ግና ክዂነን እዩ። 17ነቶም ዝኣምኑ እዞም ምልክታት እዚኣቶም ክኽተልዎም እዮም፦ ብስመይ ኣጋንንቲ ኸውፅኡ ብሓደሽቲ ቛንቋታት ክዛረቡ 18ኣትማን ክኅዙ ዝቐትል እንተ ሰተዩውን ከቶ ኣይጐድኦምን እዩ፤ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሕሙማት እንተንበሩ እቶም ሕሙማት ክሓውዩ እዮም።  19ጐይታና ኢየሱስ ነዙይ ምስ ተዛረቦም ናብ ሰማይ ዓረገ፤ ኣብ የማን እግዚኣብሔርውን ተቐመጠ። 20ደቀ መዛሙርቱ ድማ ወፂኦም ኣብ ኲሉ ሰበኹ፤ ጐይታ ኸዓ ምስኣቶም ይሠርሕ ነበረ፤ ነቲ ቓሉውን በቲ ዝግበር ተኣምራት የጽንዖ ነበረ። ኣሜን።


Copyright
Learn More

will be added

X\