ወንጌል ማርቆስ 15

1ምስ ወግሐ ሽዑ ሊቃነ ካህናት ምስ ሽማግለታትን መምህራን ሕግን ብዘሎ እቲ መጋባእያን ምኽሪ መኸሩ፤ ንኢየሱስ ድማ ኣሲሮም ወሰድዎ፤ ኣኅሊፎም ከዓ ንጲላጦስ ሃብዎ። 2ጲላጦስ ድማ ንኢየሱስ  ንስኻ ንጉሥ ኣይሁድ ዲኻ?  ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ  ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ፤  ኢሉ መለሰሉ። 3እቶም ሊቃነ ካህናት ድማ ብብዙኅ ነገር ከሰስዎ፤ ንሱ ግና ኣይመለሰን። 4ጲላጦስ ከዓ  እንሆ ኽንድዙይ ዝኣክል እንትኸሱኻ ሓንቲ እኳ እትምልሶ መልሲዶ የለን?  እናበለ ደጊሙ ጠየቖ። 5ኢየሱስ ግና ጲላጦስ ክሳዕ ዝግረም ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን። 6እንሆ ኸዓ በብበዓል ንሳቶም ዝለመንዎ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሐሎም ነበረ። 7ምስቶም ሁከት ዝገበሩን ነፍሲ ዝቐተሉን በርባን ዝብሃል ሰብኣይ ተኣሲሩ ነበረ። 8እቶም ሕዝቢ ድማ ደይቦም ከምታ ልማዶም ክገብረሎም ለመኑ። 9- 10ጲላጦስ መሊሱ እቶም ሊቃነ ካህናት ብቕንኣቶም ኣኅሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ  ነቲ ንጉሥ ኣይሁድ ክፈትሐልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም?  ኢሉ ጠየቖም። 11እቶም ሊቃነ ካህናት ግና ንበርባን ምእንቲ ኽፈትሐሎም ክልምኑ ነቶም ሕዝቢ ኣለዓዓልዎም። 12ጲላጦስ ደጊሙ  ነዝ ንጉሥ ኣይሁድ ዝበሃል ደኣ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ?  ኢሉ ጠየቖም። 13ንሳቶም ኸዓ  ስቐሎ! ስቐሎ!  እናበሉ ጸርሑ። 14 እንታይ ክፉእ ስለ ዝገበረ?  በሎም። ንሳቶም ግና የመና ዓው ኢሎም  ስቐሎ!  በሉ። 15ጲላጦስ ኸዓ ነቶም ሕዝቢ ኸሐጕሶም ደልዩ፤ ንበርባን ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኽሰቕልዎ ሃቦም። 16እቶም ወታደራት ድማ ናብ ውሽጢ ቤት ፍርዲ ኣእተውዎ፤ ንዂሉ እቲ ሠራዊት ድማ ኣከብዎ። 17ቀይሕ ኽዳን ከደንዎ፤ ኣኽሊል እሾዂ ተኒጎም ከዓ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። 18 ኦ ንጉሥ ኣይሁድ! ሰላም ንኣኻ!  እናበሉ ኢድ ነሢኦም ሓጨጩሉ። 19ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፤ እንትፍ በሉሉ፤ ተንበርኪኾምውን ሰገዱሉ። 20ምሰባጨዉሉ ነቲ ቐይሕ ኽዳን ቐንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ፤ ክሰቕልዎውን ወሰድዎ። 21ኣቦ እስክንድሮስን ሩፎስን ዝኾነኃላፍ መንገዲ ንስምዖን ቀሬናዊ ካብ ወፍሪ ኽኣቱ እንተሎ ናይ ኢየሱስ መስቀል ክፀውር ኣገደድዎ። 22ንኢየሱስ ናብ ጎልጎታ ትርጓሜኡ ኸዓ ሓምሓም ርእሲ› ተብሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ቦታ ወሰድዎ። 23ምስ ከርበ ዝተኃወሰ ወይኒ ኽሰቲ ድማ ሃብዎ፤ ንሱ ግና ምስታይ ኣበየ። 24ሽዑ ሰቐልዎ፤ በብጽሒቶም ምእንቲ ኽፈልጡ ኸዓ ነቲ ኽዳውንቱ ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ። 25ክሰቕልዎ እንተለዉ ኸዓ ሠለስተ ሰዓት ነበረ። 26ናይ መኽሰሲኡ ጽሑፍውን  ንጉሥ ኣይሁድ  ዝብል ኣብ ልዕሊ ርእሱ ተጽሒፉ ነበረ። 27ምስኡውን ክልተ ኸተርቲ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ ሰቐሉ። 28እቲ  ምስ ዓመፅቲ ተቖጸረ፤  ዝብል ጽሑፍውን ተፈጸመ። 29- 30እቶም ብእኡ ዝኃልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ  ኣታ ንቤተ መቕደስ እተፍርሶ ብሠለስተ መዓልቲውን እትሓንጾ! እስኪ ርእስኻ ኣድኅን! ካብ መስቀልውን ውረድ!  እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። 31ከምኡ ኸዓ ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕጊ ኾይኖም  ንኻልኦት ኣድኃነ፤ ንርእሱ ግና ኸድኅን ኣይከኣለን። 32ንሱ መሢሕ ንጉሥ እስራኤል እንተ ኾይኑ ርኢና ብእኡ ኽንኣምንስ እስኪ ሕዚ ኻብ መስቐሉ ይውረድ!  እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ፤ እቶም ምስኡ ዝተሰቐሉውን ይጸርፍዎ ነበሩ። 33ካብ ሽዱሽተ ሰዓት ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ኣብ ኲሉ ምድሪ ጸልማት ኮነ። 34ትሽዓተ ሰዓት ምስ ኮነ ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ  ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ?  እናበለ ዓው ኢሉ ጸርሐ፤ ትርጕሙ ድማ  ኣምላኸይ! ኣምላኸይ! ንምንታይ ኃደግካኒ?  ማለት እዩ። 35ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ኸዓ ገሊኦም  እንሆ! ንኤልያስ ይጽውዕ ኣሎ፤  በሉ። 36ሓደ ግና ጐይዩ ሰፍነግ ኣብ መጺጽ ኣሊኹ ኣብ ዘንጊ ኣሲሩ  እስኪ ኅደጉ ኤልያስ መጺኡ እንተውርዶ ኽንርኢ ኢና!  እናበለ ኣስተዮ። 37ኢየሱስ ከዓ ብዓብዪ ድምፂ ገዓረ፤ ነፍሱውን ካብ ሥጋኡ ተፈለየት። 38መጋረጃ ቤተ መቕደስ ድማ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 39እቲ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ ነፍሱ ብኸምዙይ ካብ ሥጋኡ ኸም ዝተፈለየት ምስ ረአየ  እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሔር እዩ ነይሩ፤  በለ። 40እንሆ ኸዓ ኣንስቲ ኣብ ርኁቕ ኮይነን የማዕድዋ ነበራ፤ ካብኣተን ኸዓ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ንኡስ ያዕቆብን ዮሳን ሰሎሜን ነበራ። 41ንሳተን ኣብ ገሊላ እንተሎ ጀሚረን ዝተኸተላኦን ዘገልገላኦን እየን፤ መብዝኅተን እተን ካልኦት ግና ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝደየባ ነበራ። 42ዓርቢ ምሸት ድሮ ሰንበት መዓልቲ ምድላው ነበረ። 43እቲ ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ዝጽበ ፈላጥን ክቡርን ናይ ኣይሁድ ኣማኻሪ በዓል ኣርማትያስ ዮሴፍ መጸ፤ ብትብዓት ናብ ጲላጦስ ኣትዩውን ሥጋ ኢየሱስ ክወሃቦ ለመነ። 44ጲላጦስ ድማ ሞይቱ ዲዩ? ኢሉ ተደነቐ፤ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ ኸዓ  ብርግጽዶ ሞይቱ እዩ?  ኢሉ ጠየቖ። 45ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ከም ዝሞተ ምሰረጋገጸ ሥጋ ኢየሱስ ንዮሴፍ ክወሃብ ፈቐደ። 46ንሱ ድማ ሓድሽ ፃዕዳ ሃሪ ዓደገ፤ ኣውሪዱ ኸዓ በቲ ፃዕዳ ሃሪ ገነዞ፤ ኣብ ኰዂሒ ኣብ ዝተወቕረ መቓብርውን ቀበሮ፤ ነቲ ኣፍ መቓብር ኸዓ እምኒ እናገላበጠ ወሲዱ ዓፀዎ። 47ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ዮሳን ድማ ኣበይ ከም ዝቐበርዎ ይርእያ ነበራ።


Copyright
Learn More

will be added

X\