ወንጌል ሉቃስ 3

1ጢባርዮስ ቄሣር ካብ ዝነግሥ ኣብ መበል ዓሠርተ ኃሙሽተ ዓመት ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኣብ ይሁዳ ኽገዝእ እንተሎ ሄሮድስ ኣብ ገሊላ ፊልጶስ ኃዉ ኣብ ኢጡርያስን ኣብ ሃገር ጥራኮኒዶስን ሊሳንዮስ ድማ ኣብ ሰቢላኒስ ገዛእቲ ኣብ ዝነበሩሉ 2ሃናን ቀያፋን ከዓ ሊቃነ ካህናት ኣብ ዝነበሩሉ ቃል እግዚኣብሔር ናብ ዮሓንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ ምድረ በዳ መጸ። 3ንሱ ድማ ንኅድገት ኃጢኣት ዝኸውን ናይ ንስሓ ጥምቀት እናሰበኸ ኣብ ኲሉ ኸባቢ ዮርዳኖስ ዞረ። 4እዙይ ከዓ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ  ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ ጐደና እግዚኣብሔር ኣመዓራርዩ! መንገድታቱውን ኣቕንዑ ! 5ኲሉ ጕድጓድ ይምላእ! ኲሉ እምባን ኰረብታን ትሕት ይበል! ጥውይዋይ ዝኾነ ዂሉ ይቕናዕ! ድንጉር ይተኻኸል! 6ሥጋ ዝለበሰ ዂሉውን ምድኃን እግዚኣብሔር ክርኢ እዩ!› ተብሂሉ ኸም ዝተጽሓፈ 7ዮሓንስ ነቶም ክጥመቑ ናብኡ ዝመጹ ሰባት  ኣቱም ውሉድ ኣትማን ካብቲ ዝመጽእ ቊጥዓ ኽተምልጡኸ መን ሓበረኩም? 8እምበኣርከስ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ኣፍርዩ እምበር ብልብኹም ኣብርሃም ኣቦ ኣለና› ብምባል ኣይትጀሃሩ፤ እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን ውሉድ ከተሥአሉ ኸም ዝኽእል እነግረኩም ኣለኹ። 9ማሕጸ እንሆ ኣብ ሡር አእዋም ተቐሪቡ ኣሎሞ ኲሉ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ክቝረጽ እዩ፤ ናብ ሓዊውን ክድርበ እዩ  ይብሎም ነበረ። 10እቶም ሕዝቢ ድማ  እንታይ ድኣ ንግበር?  ኢሎም ጠየቕዎ። 11ንሱ ኸዓ  ኽልተ ኽዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ የሃቦ፤ ምግቢ ዘለዎውን ከምኡ ይግበር  ኢሉ መለሰሎም። 12ተቐበልቲ ቐረጽ ድማ ኽጥመቑ መጺኦም  ኦ መምህር! ንሕናኸ እንታይ ንግበር?  ኢሎም ጠየቕዎ። 13ንሱ ድማ  ካብቲ ዝተኣዘዘልኩም ኅልፊ ኣይትውሰዱ  በሎም። 14ወታደራት ድማ  ንሕናኸ እንታይ ንግበር?  ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ  ንሓደኳ ኣይትግፍዑ ፤ ብሓሰትውን ኣይትኽሰሱ፤ ደሞዝኩም ይእኸልኩም  በሎም። 15እቶም ሕዝቢ ኣብ ትጽቢት ነበሩሞ ኲሎም ንዮሓንስ  እዙይ እቲ ክርስቶስ ደኾን ይኸውን?  እናበሉ ብልቦም የሓስቡ ነበሩ። 16ዮሓንስ ከዓ  ኣነ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘለኹ፤ እቲ ኻባይ ዝብርትዕን ኣነ መእሰሪ ኣሣእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕን ግና ይመጽእ ኣሎ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ከጥምቐኩም እዩ። 17ንሱ ዓውዱ ዘጽርየሉ እኽሉ ናብ ቆፎኡ ዝኸተሉ መስአ ኣብ ኢዱ ኂዙ ኣሎ። ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃጽሎ እዩ  ኢሉ መለሰሎም። 18ካልእውን ብዙኅ ነገር ነቶም ሕዝቢ ይምህሮምን የብሥሮምን ነበረ። 19እንተኾነ ዮሓንስ ንንጉሥ ሄሮድስ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ኃዉን ብዛዕባ እቲ ሄሮድስ ዝገበሮ ዂሉ ኽፉእ ነገርን ይግሥጾ ስለ ዝነበረ 20ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ እዝ ዂሉ ወሲኹ ንዮሓንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓጸዎ። 21እቲ ሕዝቢ ዂሉ ምስ ተጠመቐ ኢየሱስውን ተጠመቐ፤ ኽጽሊ እንተሎ ሰማይ ተኸፍተ። 22መንፈስ ቅዱስ ከዓ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ  ብኣኻ ዝተሓጐስኩ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ  ዝብል ድምፂውን ካብ ሰማይ መጸ። 23ኢየሱስ ምምሃር ክጅምር እንተሎ ወዲ ሠላሳ ዓመት ነበረ። ወዲ ዮሴፍውን ይመስሎም ነበረ፤ ዮሴፍውን 24ወዲ ኤሊ ወዲ ማቲ ወዲ ሌዊ ወዲ ሜልኪ ወዲ ዮና ወዲ ዮሴፍ 25ወዲ ማታትዩ ወዲ ኣሞጽ ወዲ ናሆም ወዲ ኤሴሊ ወዲ ናጌ 26ወዲ ማኣት ወዲ ማታትዩ ወዲ ሴሜይ ወዲ ዮሴፍ ወዲ ዮዳ 27ወዲ ዮናን ወዲ ሬስ ወዲ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትኤል ወዲ ኔሪ 28ወዲ ሜልኪ ወዲ ሓዲ ወዲ ዮሳ ወዲ ቆሳም ወዲ ኤልሞዳም ወዲ ኤር 29ወዲ ዮሴዕ ወዲ ኤልአዛር ወዲ ዮራም ወዲ ማጣት ወዲ ሌዊ 30ወዲ ስምዖን ወዲ ይሁዳ ወዲ ዮሴፍ ወዲ ዮናን ወዲ ኤልያቄም 31ወዲ ሜልያ ወዲ ማይናን ወዲ ማጣት ወዲ ናታን ወዲ ዳዊት 32ወዲ እሴይ ወዲ ኢዮቤድ ወዲ ቦኤዝ ወዲ ሰልሞን ወዲ ነኣሶን 33ወዲ ኣሚናዳብ ወዲ ኣራም ወዲ ኣሮኒ ወዲ ኤስሮም ወዲ ፋሬስ ወዲ ይሁዳ 34ወዲ ያዕቆብ ወዲ ይስሓቅ ወዲ ኣብርሃም ወዲ ታራ ወዲ ናኮር 35ወዲ ሴሮኅ ወዲ ራግው ወዲ ፋሌቅ ወዲ ኤቤር ወዲ ሳላ 36ወዲ ቃይንም ወዲ ኣርፋክስድ ወዲ ሴም ወዲ ኖኅ ወዲ ላሜህ 37ወዲ ማቱሳላ ወዲ ሄኖክ ወዲ ያሬድ ወዲ መላልኤል ወዲ ቃይናን 38ወዲ ሄኖስ ወዲ ሴት ወዲ ኣዳም ወዲ እግዚኣብሔር።


Copyright
Learn More

will be added

X\