ወንጌል ዮሓንስ 20

1በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ማርያም መግደላዊት ገና ጸልማት እንተሎ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት። እቲ እምኒ ኸዓ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረአየቶ። 2ስለዙይ ንሳ ጐይያ ናብ ስምዖን ጴጥሮስን ናብቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙርን መጺኣ  ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶምዎ፤ ኣበይ ከም ዘንበርዎውን ኣይንፈልጥን በለቶም። 3ሽዑ ጴጥሮስን እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙርን ወፂኦም ናብቲ መቓብር ከዱ። 4ክልቲኦም ብሓንሳእ እናጐየዩ እንተለዉ እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀዲምዎ ኣብቲ መቓብር በጽሐ። 5ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸዓ ኣብኡ ነቲ መግነዝ ረአየ፤ ግና ኣይኣተወን። 6ሽዑ ስምዖን ጴጥሮስ ደድኅሪኡ መጺኡ ናብቲ መቓብር ኣተወ፤ እቲ መግነዝውን ተቐሚጡ ረአየ። 7እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መጠምጠምያ ኸዓ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር ምስቲ መግነዝ ኣይነበረን። 8ሽዑ እቲ ቐዲሙ ናብቲ መቓብር ዝበጽሐ ኻልእ ደቀ መዝሙርውን ኣተወ፤ ሪኡ ድማ ኣመነ። 9ካብ ሙታን ክትሥእ ይግብኦ እዩ ዝብል ቃል መጽሓፍ ኣየስተውዓልዎን ነበሩ። 10ድኅርዙይ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርት ናብ ገዝኦም ተመልሱ። 11ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከዓ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ ጠመተት። 12ኣብቲ ሥጋ ኢየሱስ ዝነበሮ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድኑ ኽልተ መላእኽቲ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ኸዓ ብትርጋጽ ረአየት። 13ንሳቶም ድማ  ኣቲ ሰበይቲ ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ? በልዋ፤ ንሳ ድማ  ንጐይታይ [ ካብ መቃብር] ወሲዶምዎ፤ ኣበይ ከም ዘንበርዎውን ኣይፈልጥን በለቶም። 14እዙይ ኢላ ንድኅሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረአየቶ። ኢየሱስ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጠትን። 15ኢየሱስ ድማ  ኣቲ ሰበይቲ ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ? ንመንከ ትደልዪ ኣለኺ? በላ፤ ንሳ ድማ ሓላው ኣታኽልቲ መሲልዋ  ጐይታይ! ንስኻ ወሲድካዮ እንተ ኼንካስ ኣነ ምእንቲ ኽወስዶ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ በለቶ። 16ኢየሱስ ድማ  ማርያም! በላ። ንሳውን ግልጽ ኢላ ብዕብራይስጢ  ረቡኒ! በለቶ ትርጕሙ  መምህር ማለት እዩ። 17ኢየሱስ ድማ  ገና ናብ ኣቦይ ስለ ዘይዓረግኩ ኣይትንክእኒ፤ ግና ናብ ኣኅዋተይ ኪዲ እሞ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን አዓርግ ኣለኹ› በሊዮም በላ። 18ማርያም መግደላዊት ንጐይታ ኸም ዝረአየቶን እዙይውን ከም ዝበላን ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ነገረቶም። 19በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ምድሪ ምስ መሰየ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርኁ እቲ በሪ ተዓፅዩ እንተሎ ኢየሱስ ናብታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ መጺኡ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ  ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን! በሎም። 20እዙይ ምስ በሎም ከዓ ኣእዳዉን ጐኑን ኣርአዮም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ንጐይታ ምስ ረአይዎ ተሓጐሱ። 21ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን! ከምቲ ኣብ ንኣይ ዝለኣኸኒ ኣነውን ከምኡ እልእኸኩም ኣለኹ በሎም። 22እዙይ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ! 23ኃጢኣቶም ንዝኃደግኩምሎም ክኅደገሎም ንዘይኃደግኩሙሎም ግና ኣይኅደገሎምን እዩ በሎም። 24ካብቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ሓደ እቲ ዲዲሞስ ዝበሃል ቶማስ ግና ኢየሱስ ክመጽእ እንተሎ ምስኣቶም ኣይነበረን። 25እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርት ከዓ  ንጐይታ ርኢናዮ በልዎ፤ ቶማስ ግና  ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኣእዳዉ እንተዘይረአኹ ኣፃብዕተይውን ኣብቲ ዝተሸንከሮ እንተ ዘየእተኹ ኣብ ጐኑውን ኢደይ ሰዲደ እንተ ዘይዳህሰስኩ ኣይኣምንን እየ በሎም። 26ድኅሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኸዓ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መሊሶም ኣብ ውሽጢ ገዛ እንተለዉ ቶማስውን ምስኣቶም ነበረ። እቲ በሪ ተዓጽዩ እንተሎ ኢየሱስ መጺኡ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ  ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን! በሎም። 27ድኅርዙይ ንቶማስ  ኣፃብዕትካ ናብዙይ ኣምጽእ ኣእዳወይውን ርአ፤ ኢድካ ናብዙይ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐነይ ሰዲድካ ኣእትዎ። ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን በሎ። 28ቶማስ ከዓ መሊሱ  ጐይታይን! ኣምላኸይን! በሎ። 29ኢየሱስ ድማ ንቶማስ  ስለ ዝረአኻኒዶ ኣሚንካ? እቶም እንተይረአዩ ዝኣምኑ ብፁዓን እዮም በሎ። 30ኢየሱስ ኣብዚ መጽሓፍ እዙይ ዘይተጽሓፈ ኻልእ ብዙኅ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ። 31ግና እዙይ ዝተጽሓፈ ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሔር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትኣምኑን ኣሚንኩምውን ብስሙ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽትረኽቡን እዩ።


Copyright
Learn More

will be added

X\