ወንጌል ዮሓንስ 2

1ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ኸዓ ኣብ ኣውራጃ ገሊላ እትርከብ ኣብ ቃና መርዓ ነበረ። እኖ ኢየሱስውን ኣብኡ ነበረት። 2ኢየሱስ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብቲ መርዓ ተዓዲሙ ነበረ። 3ወይኒ ምስ ተወድኦም እኖ ኢየሱስ ወይኒኮ ተወዲእዎም እዩ! በለቶ። 4ኢየሱስ ድማ ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ ኣለኒ? ጊዜይ እኮ ገና ኣይበጽሐን በላ። 5እኖኡ ኸዓ ነቶም መሰለፍቲ ንሱ ዝብለኩም ኲሉ ግበሩ! በለቶም። 6ኣብኡ ኣይሁድ ከምቲ ሥርዓቶም ዝነጽሁለን ከክልተ ወይ ሠለስተ ዝንግሪር ዝኅዛ ሽዱሽተ ኣጋንእ እምኒ ተቐሚጠን ነበራ። 7ኢየሱስ ነቶም መሰለፍቲ ነዘን ኣጋንእ ማይ ምልእወን! በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ኽሳዕ ኣፈን መልእወን። 8ሽዑ ሕዚ ቐዲሕኹም ነቲ ኣቦ ዳስ ውሰዱሉ በሎም። ንሳቶም ድማ ወሲዶም ሃብዎ። 9እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ ካበይ ከም ዝመጸውን ኣይፈለጠን፤ እቶም ማይ ዝመልኡ መሰለፍቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ። እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ ፦ 10ኲሉ ሰብ ኣቐዲሙ ጥዑ ም ወይኒ የስቲ፤ ብዙኅ ምስ ሰተዩ ኸዓ እቲ ዝተሓተ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጥዑ ም ወይኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣጽኒሕኻዮ በሎ። 11ኢየሱስ ነዝ ናይ መጀመርታ ተኣምራት እዙይ ኣብ ኣውራጃ ገሊላ እትርከብ ኣብ ቃና ገበረ። ክብሩ ድማ ገለጸ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ። 12ድኅርዙይ ንሱ ምስ እኖኡን ኣኅዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወሪዶምኣብኡ ቑሩብ መዓልቲ ተቐመጡ። 13ፋሲካ ኣይሁድ ቀሪቡ ነበረሞ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። 14ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓኣብዑ ርን ኣባጊዕን ርግብታት ዝሸጡንመሽረፍቲ ገንዘብን ተቐሚጦም ረኸበ። 15ካብ ገመድ ጭጕራፍ ተኒጉ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑ ርን ንኹሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውፅኦም፤ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲውን በተኖ፤ ነቲ ጠረጴዛውን ገምጠሎ። 16ነቶም ሸየጥቲ ርግብታት ድማ ነዙይ ካብዙይ ኣልዕልዎ! ንቤት ኣቦይ ቤት ንግዲ ኣይትግበርዎ! በሎም። 17ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ቕንኣት ቤትካ በልዐኒ ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ። 18ሽዑ ኣይሁድ ነዙይ ክትገብር ሥልጣን ከም ዘለካ እንታይ ምልክት ተርእየና? ኢሎም ጠየቕዎ። 19ኢየሱስ ድማነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ ኣፍርስዎ፤ ኣነ ኸዓ ብሠለስተ መዓልቲ ኸልዕሎ እየ ኢሉ መለሰሎም። 20እቶም ኣይሁድ ድማ  እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ በርብዓን ሽዱሽተን ዓመት እዩ ዝተሓንጸ፤ ንስኻዶ ብሠለስተ መዓልቲ ኽተልዕሎ ኢኻ? በልዎ። 21ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ። 22ካብ ምዉታን ምስ ተሥአ ደቀ መዛሙርቱ ስለዙይ ከም ዝበሎም ዘከሩ፤ በቲ ቓል መጽሓፍን በቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦን ድማ ኣመኑ። 23ነቲ ኢየሱስ ብበዓል ፋሲካ ኣብ ኢየሩሳሌም እንተሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረአዩ ብዙኃት ሰባት ብእኡ ኣመኑ። 24ኢየሱስ ግና ንዂሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ ኣይኣመኖምን። 25ነቲ ዂሉ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝፈልጥ ከዓ ሓደኳ ብዛዕባ ሰብ ክነግሮ ኣይደልን ነበረ።


Copyright
Learn More

will be added

X\