መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን 7

1መልከጼዴቅ ናይ ሳሌም ንጉሥን ናይ ልዑል እግዚኣብሔር ካህንን ነበረ። ኣብርሃም ነቶም ነገሥታት ስዒሩ ኽምለስ እንተሎ መልከጼዴቅ ተቐቢሉ ባረኾ። 2ኣብርሃም ድማ ኻብቲ ዝማረኾ ዅሉ ኣሥራት ሃቦ። ቅድም ትርጕም ስሙ  ንጉሥ ጽድቂ  ማለት እዩ፤ ደኃርውን  ንጉሥ ሳሌም   ማለት  ንጉሥ ሰላም  ማለት እዩ። 3መልከጼዴቅ ኣቦ ኾነ እኖ ወይ ሓረግ ትውልዲ የብሉን። ዝተወለደሉ መዓልቲ ወይ ናይ ሕይወቱ መወዳእታ የብሉን፤ ንሱ ብምሳሌ ወዲ እግዚኣብሔር ንዘለዓለም ካህን ኮይኑ ይነብር። 4እዝ ሰብዙይ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኸም ዝኾነ እስኪ ረኣዩ እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ኣብርሃም እኳ ኣሥራት ናይቲ ዝማረኾ ሃቦ። 5እቶም ክህነት ዝቕበሉ ደቂ ሌዊ ግና ካብ ሕዝቢ ማለት ካብቶም ኣኅዋቶም ዝኾኑ ደቂ ኣብርሃም ኣሥራት ክወስዱ ሕጊ ሙሴ ይእዝዝ። 6መልከጼዴቅ ግና ካብ ሌዊ እኳ እንተ ዘይተወልደ ካብ ኣብርሃም ኣሥራት ተቐበለ፤ ንሱውን ነቲ ተስፋ ዝተውሃቦ ኣብርሃም ባረኾ። 7እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶይ ከም ዝባርኾ ፍሉጥ እዩ። 8በዝ ሓደ ወገን ነቲ ኣሥራት እቶም መወቲ ዝኾኑ ሌዋውያን ይወስድዎ፤ በቲ ሓደ ወገን ከዓ እቲ ሕያው ኮይኑ ኸምዝነብር ዝተመስከረሉ ይወስዶ። 9ወይ ድማ ኸምዙይ ክንብሎ ንኽእል፦ እቲ ኣሥራት ዝቕበል ሌዊ እኳ ብኣብርሃም ገይሩ ኣሥራት ሃበ። 10መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ክራኸቦ እንተሎ ሌዊ ገና ኣብ ሕቖ ኣብርሃም ኣቦኡ ነይሩ እዩሞ። 11እቲ ንሕዝቢ እስራኤል ዝተውሃበ ሕጊ ኸም ሥርዓት ክህነት ሌዋውያን እዩ ዝነበረ። እምበኣር እዝ ኽህነት እዙይ ፍጹም ነይሩ እንተ ዝኸውን ድኣ ከም መዓርግ ኣሮን ዘይኮነስ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ዝኾነ ኻልእ ካህን ክትሥእ ኣይመድለየን ነይሩ። 12ክህነት ክልወጥ እንተሎ ሕጊውን ናይ ግድን ክልወጥ ኣለዎ። 13እዝ ብዛዕባኡ ተዘሪቡሉ ዘሎ ጐይታ ኢየሱስ ካብ ካልእ ዓሌት እዩ፤ ካብዝ ዓሌት እዙይ ሓደኳ ኣብ መሠውዒ ዘገልገለ የለን። 14ጐይታና ኢየሱስ ካብቲ ሙሴ ብዛዕባ ክህነት ክዛረብ እንተሎ ዘይተዛረበሉ ካብ ዓሌት ይሁዳ ኸም ዝተወልደ ፍሉጥ እዩ። 15ሕዚ ኸዓ ከም መልከጼዴቅ ዝበለ ኻልእ ካህን ክትሥእ እንተሎ እቲ ነገር ኣጸቢቑ ይገሃድ። 16- 17 ንስኻ ከም መልከጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ  ኢሉ ስለ ዝመስከረሉ ኸዓ እቲ ኽህነቱ ምድራዊ ሥርዓት ኣብ ዝሓገጎ ዘይኮነስ ኣብቲ ዘይኃልፍ ኃይሊ ሕይወት ዝተመሥረተ እዩ። 18እቲ ዝኃለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝኾነ እዩ ዝተስዓረ። 19ሕጊ ሙሴ ንሓደኳ ኣብ ፍጻሜ ዘብጽሖ የለን እሞ። ሕዚ ግና ናብ እግዚኣብሔር እንቐርበሉ ዝበለጸ ተስፋ መጺኡልና ኣሎ። 20እዝ ኽህነት እዙይ ብዘይ ማሕላ ኣይኮነን። እቲኣቶም ብዘይ ማሕላ እዮም ካህናት ዝኾኑ ዝነበሩ። 21ንሱ ግና  እግዚኣብሔር ንስኻ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ›  ኢሉ መሓለ ኣይናሳሕን ከዓ እዩ ከም ዝብል ብማሕላ እዩ ካህን ዝኾነ። 22ኢየሱስ ድማ በዝ ማሕላ እዙይ ናይታ ዝበለጸት ኪዳን መተኣማመኒ ዋሕስ ኮነ። 23ብኽህነት ኲልሻዕ ኸየገልግሉ ሞት ስለ ዝኸልከሎም እቶም ቀዳሞት ካህናት ብዙኃት ነበሩ። 24ኢየሱስ ግና ንዘለዓለም ዝነብር ስለ ዝኾነ ዘይኃልፍ ክህነት ኣለዎ። 25ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ ንዘለዓለም ሕያው ስለዝኾነ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ እግዚኣብሔር ዝመጹ ንዘለዓለም ከድኅኖም ይኽእል እዩ። 26ንኣናውን ቅዱስ ነቐፋ ዘይብሉ ንጹሕ ካብ ኃጥኣን ዝተፈልየ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና። 27ንሱ ንኃዋሩ ሓደ ጊዜ ንርእሱ መሥዋዕቲ ገይሩ ኣቕሪቡ እዩሞ ከምቶም ካልኦት ሊቃነ ካህናት ቅድም ምእንቲ ኃጢኣት ርእሱ ደኃር ድማ ምእንቲ ኃጢኣት ሕዝቢ በብመዓልቱ መሥዋዕቲ ኸቕርብ ኣየድልዮን እዩ። 28ሕጊ ሙሴ ነቶም ድኽመት ዘለዎም ሰባት ሊቃነ ካህናት ገይሩ ሸሞም፤ እቲ ድኅሪ ሕጊ ዝመጺል ማሕላ ግና ነቲ ንዘለዓለም ፍጹም ዝኾነ ወልድ ሸመ።


Copyright
Learn More

will be added

X\