መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን 5

1ሊቀ ካህናት ዝኸውን ኲሉ ኻብቶም ከምኡ ዝበሉ ሰባት እዩ ዝኅረ። ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ሰባት መባእን መሥዋዕትን ከቕርብ ድማ ይሽየም። 2ንሱ ባዕሉ ድኽመት ዘለዎ ስለ ዝኾነ ነቶም ዘይፈልጡን ዝተጋገዩን ክርህርሀሎም ይኽእል እዩ። 3ድኽመት ስለ ዘለዎ ከምቲ ምእንቲ ሕዝቢ ኸምኡውን ምእንቲ ርእሱ ናይ ኃጢኣት መሥዋዕቲ ኸቕርብ ይግብኦ። 4ከም ኣሮን ብእግዚኣብሔር ዝተጸውዐ እምበር ነዝ ኽብሪዙይ ባዕሉ ኽረኽቦ ዝኽእል ሓደኳ የለን። 5ክርስቶስውን ሊቀ ካህናት ንምዃን ንባዕሉ ኣየኽበረን። ግና እግዚኣብሔር  ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ  በሎ እምበር። 6ኣብ ካልእ ሥፍራ ድማ  ንስኻ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ  በሎ። 7ኢየሱስ ሥጋ ለቢሱ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እንተሎ ካብ ሞት ከድኅኖ ናብ ዝኽእል ጸሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሔር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ኸዓ ልመናኡ ተሰምዐ። 8ወዲ እግዚኣብሔር እኳ እንተኾነ በቲ ዝተቐበሎ መከራ ተኣዛዚ ምዃን ተምሃረ። 9ሥራሑ ምስ ፈጸመ ድማ ነቶም ዝእዘዝዎ ዅላቶም ናይ ዘለዓለም ድኅነት ክረኽቡ ምኽንያት ኮኖም። 10እግዚኣብሔር ከዓ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ሊቀ ካህናት ገይሩ ሸሞ። 11ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ እንብሎ ብዙኅ ነይሩና፤ ዘይተስተውዕሉ ድንዙዛት ስለ ዝኾንኩም ግና ኽንገልጸልኩም ኣፀጋሚ እዩ። 12ካብ ዝኣመንኩምሉ ኽሳዕ ሕዝስ መምህራን ክትኮኑ እኳ ምተገበአኩም ነይሩ፤ ገና ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቓል እግዚኣብሔር ደጊሙ ዝምህረኩም የድልየኩም ኣሎ። ጸባ ደኣ እምበር ዕፁም ምግቢ ኣየድልየኩምን እዩ። 13ጸባ ዝምገብ ኲሉ ሕፃን ስለ ዝኾነ ብዛዕባ ናይ ጽድቂ ነገራት ክፈልጥ ኣይኽእልን። 14ዕፁም ምግቢ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ንባዕልቶም ንዘላመዱ ንዓበይቲ እዩ።


Copyright
Learn More

will be added

X\