መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን 4

1እምበኣር ናብ እግዚኣብሔር ዘዳለዎ ዕረፍቲ ንምእታው ተስፋ ካብ ሃለወና ምናልባሽ ሓደ ኻባኻትኩም ናብዝ ዕረፍቲ እዙይ እንተይኣተወ ዝተርፍ ከይህሉ ንጠንቀቕ። 2ንኣናውን ከምቲ ንኣኣቶም ዝተሰብከሎም እዩ ወንጌል ዝተሰበኸልና፤ እንተኾነ ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል ብእምነት ስለ ዘይተቐበልዎ ኣይጠቐሞምን። 3ንሕና እንኣምን ግና ናብቲ እግዚኣብሔር ዘተስፈዎ ዕረፍቲ ኽንኣቱ ኢና። ሥራሕ እግዚኣብሔር ኣብ ምፍጣር ዓለም ተወዲኡ እንተ ነበረ እኳ እቲ ጽሑፍ  ናብቲ ዕረፍተይ ኣይኣትዉን እዮም፤ ኢለ ብቝጥዓይ መሓልኩ  ይብል። 4ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣብ ሓደ ሥፍራ  እግዚኣብሔር ካብ ኲሉ ሥራሑ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ  ይብል። 5ኣብኡ ኸዓ ደጊሙ  ናብቲ ዕረፍተይ ኣይኣትዉን እዮም  ይብል። 6እምበኣር ኣብዛ ዕረፍቲ እዚኣ ዝኣትዉ ሰባት ስለ ዘለዉ እዩ። እቶም ቅድም ብሥራት ዝሰምዑ ግና ብሰንኪ ዘይምእዛዞም ኣይኣተዉዋን። 7ስለዙይ እግዚኣብሔር ከምቲ ቕድም፦  ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም ልብኹም ኣይተትርሩ  ኢልዎ ዝነበረ ድኅሪ ነዊኅ ጊዜ ብኣፍ ዳዊት ገይሩ መሊሱ  ሎሚ  እናበለ ብምዝራቡ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ኸም ዝመደበ የርኢ። 8ኢያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዝኸውንስ ድኅሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ። 9እምበኣር ንሕዝቢ እግዚኣብሔር ዕረፍቲ ተዳሊያትሎም ኣላ። 10እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዘዳለዎ ዕረፍቲ ዝኣተወ ከምቲ እግዚኣብሔር ካብ ሥራሑ ዘዕረፈ ንሱውን ካብ ሥራሑ የዕርፍ እዩሞ። 11ስለዙይ ሓደኳ ናይቲ ዘይምእዛዞም ኣርኣያ ተኸቲሉ ኸይወድቕ ናብቲ እግዚኣብሔር ዘዳለዎ ዕረፍቲ ኽንኣቱ ንፅዓር። 12ቃል እግዚኣብሔር ሕያውን ዝሠርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቖርጽ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን ፈልዩ ዝምርምር እዩ። 13ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኹሉ ነገር ቅሉዕን ስጡሕን እዩ እምበር ካብ እግዚኣብሔር ዝሕባእ ፍጡር የለን፤ ንእኡ ኸዓ ኢና መልሲ እንህብ። 14እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓብዪ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሔር ስለ ዘለና እምነትና ኣጽኒዕና ንኃዝ። 15ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ኃጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን። 16እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን ጸጋ ምእንቲ ኽንረክብ ናብቲ ጸጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሔር ብምትእምማን ንቕረብ።


Copyright
Learn More

will be added

X\