መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ 6

1ኣቱም ኣኅዋተይ! ሓደ ሰብ ኣብ ኃጢኣት እንተ ተረኽበ መንፈሳውያን ዝኾንኩም ንስኻትኩም ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ ብለውሃት መንፈስ ምለስዎ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ከይትፍተኑ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 2ነፍስ ወከፍ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍጽሙ ኢኹም። 3ሓደ ሰብ ንዘይኮኖ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ ንርእሱ ይጥብር። 4እንተኾነ ነፍስ ወከፍ ናይ ርእሱ ሥራሕ ይመርምር፤ ሽዑ ብናይ ብጻዩ ዘይኮነ ብናይ ርእሱ ሥራሕ ክምካሕ እዩ። 5ነፍስ ወከፍ ናይ ርእሱ ፆር ክፀውር ይግባእ እዩሞ። 6እቲ ቓል ዝመሃር ከዓ ነቲ ዘለዎ ጽቡቕ ነገራት ምስቲ መምህሩ ይካፈሎ። 7ኣይትታለሉ! እግዚኣብሔር ኣይዕሾን እዩ፤ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ። 8እቲ ንሥጋኡ ኸሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ካብ ሥጋኡ ሞት የዓጽድ። እቲ ንመንፈስ ከሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ከዓ ካብ መንፈስ ቅዱስ ናይ ዘለዓለም ሕይወት የዓጽድ። 9ሠናይ ሥራሕ ንምሥራሕ ኣይንሰልኪ፤ ተስፋ እንተ ዘይቖረጽና እዋኑ ምስ በጽሐ ኽንዓጽድ ኢናሞ። 10እምበኣር ጊዜ እንተለና ንዂሉ ሰብ ሠናይ ንግበር፤ ብኅልፊ እኳ ነቶም ብእምነት ኣኅዋትና ዝኾኑ ሠናይ ንግበረሎም። 11ብኸመይ ዝበሉ ፍሩያት ፊደላት ብኢደይ ከም ዝጸሓፍኩልኩም ርኣዩ። 12እቶም ክትግረዙ ግዲ ዝብሉኹም ዘለዉ በቲ ዝገበርዎ ኣፍኣዊ ነገር ክምክሑ ዝደልዩ ሰባት እዮም። ነዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ኸዓ ብሰንኪ መስቀል ክርስቶስ ከይስደዱ ኢሎም እዮም። 13እቶም ግሩዛት እኳ ባዕልቶም ሕጊ ኣይሕልዉን እዮም። እንተኾነ  ከም ዝግረዙ ገይርናዮም ኢሎም ምእንቲ ኽምክሑ ክትግረዙ ግዲ ይብሉኹም ኣለዉ። 14ኣነ ግና በቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል እንተዘይኮይኑ ብኻልእ ኣይምካሕን። በዝ መስቀል እዙይ ዓለም ኣብ ቅድመይ ምውቲ እያ፤ ኣነውን ኣብ ቅድሚ ዓለም ምውት እየ። 15ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝርከብ ሓድሽ ፍጥረት ምዃን እምበር ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ ዝጠቕሞ የብሉን። 16ኣብቶም በዛ መምርሒ እዚኣ ዝነብሩ ዂሎምን ኣብቶም ወገን እግዚኣብሔር ዝኾኑ እስራኤላውያንን ሰላምን ምሕረትን ይኹን። 17ኣነስ ምልክት መከራ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰብነተይ እፀውር ኣለኹ እሞ ድኅሪ ሕዚ ሓደኳ ኣየትክረኒ። 18ኣኅዋተይ! ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።


Copyright
Learn More

will be added

X\