መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈላስይስ 4

1ኣቱም ጐይቶት ንስኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘለኩም ፈሊጥኩም ንመገልገልትኹም ቕኑዓትን ዘይተዳልዉን ኩኑ። 2ጸሎት ኣዘውትሩ፤ ኣብ ጸሎትኩም ከዓ ንቑሓትን መመስገንትን ኩኑ። 3ነቲ ምእንታኡ ተኣሲረ ዘለኹ ምሥጢር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንሰብኽ እግዚኣብሔር ንቓሉ ኣፍ ደገ ክኸፍተልና ምእንታና ጸልዩ። 4ኣነውን ከምቲ ዝግብአኒ ገይረ ነቲ ቓል ምእንቲ ብግልጺ ኽናገር ጸልዩለይ። 5ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብግቡእ እናተጠቐምኩም ምስቶም ዘይኣምኑ ብጥበብ ንበሩ። 6ንነፍስ ወከፍ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ ኣዘራርባኹም ብጨው ከም ዝተቐመመ ዂልሻዕ ብጸጋ ዝመልአ ይኹን። 7ቲኪቆስ እቲ ፍቑር ኃውናን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ መሳርሕተይን ከመይ ከም ዘለኹ ኸፍልጠኩም እዩ። 8ናባኻትኩም ዝሰዶ ዘለኹ ብዛዕባ ሃለዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹም ምእንቲ ኸጸናንዕን ኢለ እየ። 9ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝኾነ እሙንን ፍቑርን ኃውና ኣናሲሞስ እሰደልኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም እቲ ኣብዙይ ዝኾነ ዂሉ ኽነግሩኹም እዮም። 10እቲ መተኣስርተይ ዝኾነ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፤ ማርቆስ ወዲ ኃው ኣቦኡ ንበርናባስውን ሰላም ይብለኩም ኣሎ። እዙይ እቲ  እንተ መጸኩም ብጽቡቕ ተቐበልዎ ኢለኩም ዝነበርኩ ሰብ እዩ። 11ኢዩስጦስ ዝተብሃለ ኢያሱ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ምሳይ ዘገልግሉ ንኣይውን ዘጸናንዑ ኒ ዘለዉ ኣይሁድ እዚኣቶም ጥራሕ እዮም። 12እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ምሉኣትን ብዂሉ ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ተረዲእኹም ጸኒዕኹም ደው ምእንቲ ኽትብሉ ተጊሁ ብጸሎት ዝጋደለልኩም ዘሎ ባርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። 13ንሱ ምእንታኻትኩምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎደቅያን ኣብ ኢያራጶሊስ ዘለዉን ብዙኅ ጻዕሪ ኸም ዘለዎ እምስክረሉ ኣለኹ። 14ሉቃስ እቲ ፍቑር ሓኪምን ዴማስን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 15ነቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉ ኣኅዋትን ንኒምፋስን ነታ ኣብ ገዛኣ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን ሰላም በሉለይ። 16ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ምሰንበብኩምዋ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያ ኸም እትንበብ ግበሩ፤ ንስኻትኩምውን ነታ ካብ ሎዶቅያ እትመጽእ መልእኽቲ ኣንብብዋ። 17ንኣክርጳ ድማ  ነታ ብጐይታ ዝተቐበልካያ ኣገልግሎት ከም እትፍጽማ በልዎ። 18እዝ ሰላምታ እዙይ ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። መዋቕሐይ ዘክሩ። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን።


Copyright
Learn More

will be added

X\