ግብሪ ሓዋርያት 1

1- 2ኦ ቴዎፍሎስ! ኣብቲ ቐዳማይ ጽሑፈይ ብዛዕባቲ ኢየሱስ ካብ መጀመርታ ኂዙ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዝኃረዮም ሓዋርያት ኣዚዙ ኽሳዕ እታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ ዝገበሮን ዝመሃሮን ጽሒፈልካ ነይረ። 3ብድኅሪ ሞቱ ነርባዓ መዓልቲ ዝኣክል እናተርኣዮም ብዛዕባ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ከዓ እናነገሮም ብብዙኅ መረዳእታ ሕያው ከም ዝኾነ ንርእሱ ኣርኣዮም። 4ምስኣቶም ብሓደ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፦  ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኹምዎ ናይ ኣብ ተስፋ ተጸበዩ እምበር ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውፅኡ። 5ዮሓንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና ድኅሪ ቑሩብ መዓልትታት ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም ኢሉ ኣዘዞም። 6ተኣኪቦም እንተለዉ ኸዓ ጐይታይ! ኣብዝ ጊዜ እዙይ ዲኻ ንእስራኤል መሊስካ መንግሥቲ እተቑመላ? ኢሎም ጠየቕዎ። 7ኢየሱስ ከዓ  ነቲ ኣብ ብሥልጣኑ ዝመደቦ ዘመንን እዋንን ክትፈልጡ ኣይተውሃበኩምን። 8መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና ኃይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪውን መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም በሎም። 9እዙይ ምስ በለ ድማ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ፤ ካብ ኣዒንቶም ከዓ ደመና ሠወረቶ። 10ንሱ ኽዓርግ እንተሎ ንሳቶም ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ እንተለዉ እንሆ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድኑ ኽልተ ሰባት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም 11 ኣቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ኢኹም ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርኩም እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘለኹም? እዝ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንተሎ ዝረአኹምዎ ከምኡ ኢሉ ኸዓ ኽመጽእ እዩ በልዎም። 12ብድኅርዙይ ሓዋርያት ካብ ደብረ ዘይት ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ፤ ደብረ ዘይት ካብ ኢየሩሳሌም መንገዲ ሰንበት ዝኣክል ይርሕቕ ነበረ። 13ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ ኸዓ ናብታ ዝቕመጡላ ዝነበሩ ላዕለወይቲ ደብሪ ደየቡ። ንሳቶምውን ጴጥሮስ ዮሓንስ ያዕቆብ እንድርያስ ፊልጶስ ቶማስ በርተሎሜዎስ ማቴዎስ ያዕቆብ ወዲ እልፍዮስ ስምዖን ቀናኢ ይሁዳ ወዲ ያዕቆብን ነበሩ። 14እዚኣቶም ኲሎም ምስ ገሊአን ኣንስትን ምስ ማርያም እኖ ኢየሱስን ምሰኅዋቱን ኃቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ። 15በተን መዓልትታት እቲኣተን ጴጥሮስ ኣብ ማእኸል እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሚእትን ዕሥራን ዝኣኽሉ ኣኅዋት ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ 16 ኣቱም ኣኅዋተይ! ብዛዕባ እቲ ነቶም ንኢየሱስ ክኅዝዎ እንተለዉ ዝመርሖም ይሁዳ መንፈስ ቅዱስ ኣቐዲሙ ብኣፍ ዳዊት ዝበሎ ጽሑፍ ክፍጸም ይግባእ እዩ። 17ቊጽሩ ምሳና እንትኸውን ናይዝ ኣገልግሎት እዙይ ተኻፋላይውን ነበረ። 18ሕዚ ግና እንሆ እዝ ሰብዙይ ብዓስቢ ዓመፃኡ ግራት ዓደገ፤ ብግንባሩ ተደፊኡ ኸዓ ኣብ ክልተ ተተርተረ፤ ኲሉ ኣምዑ ቱ ድማ ተዘርገፈ። 19እዝ ነገርዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዂሎም ተሰምዐ፤ ነቲ ግራት ከዓ ብቛንቋኦም ኣኬልዳማ ማለት ግራት ደም ኢሎም ሰመይዎ። 20ከምኡ ድማ እቲ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር፦ ገዝኡ ትዕኖ፤ ኣብኣ ዝነብር ከዓ ኣይረኸብ፤› ከምኡ ድማ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ› ዝብል ምእንቲ ኽፍጸም እዩ። 21- 22 ስለዙይ ካብዞም ካብ ጥምቀት ዮሓንስ ጀሚሩ ጐይታና ኢየሱስ ካባና ኽሳዕታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ ምሳና ኻብ ዝነበሩ ሰባት እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሣኤኡ ምሳና ምስክር ክኸውን ይግባእ እዩ። 23ስለዙይ ክልተ ሰባት ኣቖሙ፤ ንሳቶም ከዓ እቲ ኢዮስጦስ ወይ በርናባስ ዝብልዎ ዮሴፍን ማትያስን ነበሩ። 24- 25ሽዑ  ኦ ልቢ ዂሉ እትፈልጥ ጐይታ! እዛ ይሁዳ ናብ ሥፍራኡ ክኸይድ ዝኃደጋ ሥፍራ ኣገልግሎትን ሓዋርያነትን ክቕበል ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ነይንኦም ከም ዝኃረኻ ኣርኢ እናበሉ ጸለዩ። 26ዕፃ ድማ ኣውደቑሎም፤ እታ ዕፃ ኸዓ ንማትያስ በጽሐት፤ ምስቶም ዓሠርተ ሓደ ሓዋርያትውን ተቖጸረ።


Copyright
Learn More

will be added

X\