3 መልእኽቲ ዮሓንስ 1

1ካብ መራሕ ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ኣነ ብሓቂ ዝፈትዎ ፍቑር ጋይዮስ። 2ኣታ ፍቑረይ! ከምቲ መንፈሳዊ ናብራኻ ጽቡቕ ዘሎ ከምኡ ኸዓ ብዂሉ ደኃን ክትህሉን ጥዒና ኽትረክብን እጽልየልካ ኣለኹ። 3ንስኻ በታ ሓቂ ትነብር ከም ዘለኻ ኣኅዋት መጺኦም ስለ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙኅ ተሓጕሰ ኣለኹ። 4ኣነ እቶም ደቀይ በቲ ሓቂ ይነብሩ ኸም ዘለዉ ካብ ምስማዕ ዝዓቢ ሓጐስ የብለይን። 5ኣታ ፍቑረይ! ንሳቶም ኣጋይሽ እንተኾኑ እኳ እቲ ነቶም ኣኅዋት እትገብሮ ዘለኻ ኣገልግሎት እሙን ኴንካ ትገብሮ ኣለኻ። 6እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ፍቕርኻ መስኪሮም ኣለዉ። ንእግዚኣብሔር ከም ዘሐጕስ ጌርካ ዘድልዮም ሂብካ ኣፋንዎም። 7ንሳቶም ካብቶም ኣሕዛብ ሓንቲ እኳ እንተይወሰዱ ምእንቲ ስም ክርስቶስ እዮም ዝወፁ። 8እምበኣር ናይ ሓቂ ኣገልግሎት ተሳተፍቲ ምእንቲ ኽንከውን ከምዚኣቶም ንዝበሉ ሰባት ክንሕግዞም ይግብአና እዩ። 9ኣነ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ነገር ጽሒፈ ነይረ፤ እቲ ሓለቓኦም ክኸውን ዝደሊ ድዮጥራፊስ ግና ሓሳብና ኣይቕበሎን። 10ስለዙይ ኣነ ምስ መጻእኹ ነቲ ንሱ ኽፉእ እናተዛረበ ዝጸርፈና ዘሎ ኽነግረኩም እየ። እዙይ ምእኻል ኣብይዎ ኸዓ ንሱ ባዕሉ ነቶም ኣኅዋት ኣይቕበሎምን፤ ነቶም ክቕበልዎም ዝደልዩ ኸዓ ይኽልክሎም፤ ካብ ቤተ ክርስቲያንውን የውፅኦም ኣሎ። 11ኣታ ፍቑረይ! ነቲ ሠናይ ደኣ እምበር ነቲ ኽፉእስ ኣይትስዓቦ። እቲ ሠናይ ዝገብር ካብ እግዚኣብሔር እዩ፤ እቲ ኽፉእ ዝገብር ግና ንእግዚኣብሔር ኣይረኣዮን። 12ንድሜጥሮስ ኲላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፤ እታ ሓቂ ባዕላ ድማ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣለና። ምስክርነትና ሓቂ ኸም ዝኾነ ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። 13ብዙኅ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፤ ግናኸ ብቐለምን ብብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይደለኹን። 14ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ ኣለኒ፤ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዘራረብ ኢና። 15ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፈተውትኻ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፈተውትና በብስሞም ሰላም በሎም።


Copyright
Learn More

will be added

X\