2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ 1

1ብክርስቶስ ኢየሱስ ንዝርከብ ናይ ሕይወት ተስፋ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ሓዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ 2ናብ ዝፈትዎ ወደይ ጢሞቴዎስ ካብ እግዚኣብሔር ኣብን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋ ምሕረት ሰላም ንኣኻ ይኹን። 3ለይትን መዓልትን እንተየቋረጽኩ ኣብ ጸሎተይ ክዝክረካ እንተለኹ ነቲ ኸምቲ ናይ ኣቦታተይ ገይረ ብንጹሕ ሕሊና ዘገልግሎ እግዚኣብሔር አመስግኖ ኣለኹ። 4ንብዓትካ እዝክር እየ፤ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽምላእ ኸዓ ኽርእየካ እናፍቕ ኣለኹ። 5ነታ ኣባኻ ዘላ ጥርጥር ዘይብላ እምነት እዝክራ እየ። እዛ እምነት እዚኣ ቕድም ኣብ እናሓጐኻ ሎይድ ከምኡውን ኣብ እኖኻ ኤውንቄ ነበረት። ሕዚ ኸዓ ኣባኻ ከም ዘላ ተኣማሚነ ኣለኹ። 6ስለዙይ ነቲ ብምንባር ኢደይ ዝተቐበልካዮ ኣባኻ ዘሎ ውህብቶ እግዚኣብሔር ክተለዓዕሎ አዘክረካ ኣለኹ። 7እግዚኣብሔር ዝሃበና መንፈስ ኃይልን ፍቕርን ርእስኻ ምቊጽጻርን እምበር መንፈስ ፍርኃት ኣይሃበናንሞ። 8እምበኣር ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምስካርን ብኣይ ናይ ክርስቶስ እሱርን ኣይትኅፈር፤ እኳ ደኣ በቲ እግዚኣብሔር ዝህበካ ኃይሊ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ተቐበል እምበር። 9ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ ብፍቓዱን በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ጸጋን ኣድኃነና፤ ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዐና። 10እዝ ጸጋ እዙይ ብምምጻእ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልጸ። ንሱ ንሞት ስዒሩ ንሕይወትን ንዘይሙማትን ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውፅኦ። 11ኣነውን ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣብሣሪ ሓዋርያን ንኣሕዛብውን መምህር ክኸውን ተሸምኩ። 12በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ ኣይኃፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ኅድሪ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ክሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግጸኛ እየ። 13ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኻዮ ቕኑዕ ትምህርቲ ከም ኣብነት ገይርኻ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ እምነትን ፍቕርን ሓልዎ። 14ነቲ ብኅድሪ ዝተውሃበካ ሓቂ በቲ ኣባና ኃዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ። 15እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዂላቶም ከም ዝጠለሙኒ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ መንጎኦም እኳ ፊጌሎስን ኤርሞጌኔስን ዝብሃሉ ኣለውዎም። 16እግዚኣብሔር ንቤተ ሰብ ሄኔሴፎሩ ምሕረት የሃቦም፤ ንሱ ብምእሳረይ እንተይኃፈረ ብዙኅ ጊዜ ኣጸናኒዑ ኒ እዩሞ። 17ኣብ ሮም ምስ መጸውን ክሳዕ ዝረኽበኒ ብዙኅ ደኺሙ እዩ። 18በታ መወዳእታ መዓልቲ ጐይታ እግዚኣብሔር ምሕረት የሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።


Copyright
Learn More

will be added

X\