2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ 3

1ብዝተረፈ ኣኅዋትና! ቃል እግዚኣብሔር ከምቲ ኣብ ማእኸልኩም ኮይንዎ ዘሎ ምእንቲ ኽሰፍሕን ክኸብርን 2ኲሉ ኸዓ ኣማኒ ኣይኮነን እሞ ካብ ዓመፀኛታትን ክፉኣት ሰባትን ምእንቲ ኽንድኅን ጸልዩልና። 3ጐይታ ግና እሙን እዩ፤ ከጽንዐኩምን ካብ ሰይጣን ክሕልወኩምን እዩ። 4ነቲ እንእዝዘኩም ትፍጽምዎ ኸም ዘለኹም ገናውን ከም እትፍጽምዎ ኣባኻትኩም ብጐይታ እምነት ኣለና። 5ጐይታ ኸዓ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ናብ ትዕግሥቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ። 6ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣኅዋትና! በቲ ኻባና ዝተቐበልኩምዎ ሥርዓት ምኻድ ገዲፉ ካብ ዘይሠርሕ ሃካይ ኣማኒ ዂሉ ኽትፍለዩ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣለና። 7ምሳኻትኩም እንተለና ሃካያት ኣይነበርናን እሞ ከምቲ ንሕና እንገብሮ ኽትገብሩ ኸም ዝግብአኩም ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 8ካባኻትኩም ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኽንብል ለይትን መዓልትን እናሠራሕና ንፅዕርን ንደክምን ነበርና እምበር ካብ ሓደኳ ብኸምኡ እንጀራ ኣይበላዕናን። 9እዙይ ከዓ ኣርኣያ ኽንኮነኩምን ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉን ኢልና ኢና እምበር ግቡእና ኽንረክብ መሰል ዘይብልና ዄንና ኣይኮነን። 10ምሳኻትኩም እንተለና እቲ  ክሠርሕ ዘይደሊ ኣይብላዕ! ዝብል ትእዛዝ ሂብናኩም ነይርና ኢናሞ። 11ኣባኻትኩም ሃካያት ኣብ ዘየእትዎም ዝኣትዉ ሓንቲ ሥራሕ ዘይብሎም ከም ዘለዉ ሰሚዕና ኣለና። 12ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ብህድኣት እናሠርሑ ንርእሶም ክኽእሉ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ነተባብዖምን ኣለና። 13ንስኻትኩም ግና ኣቱም ኣኅዋትና! ሠናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ። 14ነቲ በዛ መልእኽቲ እዚኣ እንብሎ ቓል ዘይእዘዝ እንተልዩ ኣለልይዎ፤ ምእንቲ ኽሓፍር ከዓ ምስኡ ኣይትኅበሩ። 15ግና ኸም ኃው ደኣ መዓድዎ እምበር ከም ጸላኢ ኣይትቝጸርዎ። 16እምበኣር ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ብዂሉ ወገን ኲልሻዕ ሰላም የሃብኩም። ጐይታ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን። 17ነዝ ሰላምታ እዙይ ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ ዝጸሓፍኩዎ እዩ። እዙይ ከዓ ኣብ ኲለን መልእኽታተይ ምልክት እዩ፤ ከምዙይ ገይረ እየ ዝጽሕፍ። 18ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን።


Copyright
Learn More

will be added

X\