2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ 1

1ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብታ ኣብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ። 2ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። 3ኣኅዋትና! እምነትኩም በሊጻ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ ናይ ነፍስ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝኀት ትኸይድ ስለ ዘላ ብኣኻትኩም ኲሉ ጊዜ ንእግዚኣብሔር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ። 4ስለዙይውን ንሕና ባዕልትና ብጽንዓትኩምን እምነትኩምን በቲ ኣብ ስደትን መከራን እትዕገሥዎ ዘለኹምን ኣብተን ኣብ እግዚኣብሔር ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ብኣኻትኩም ንምካሕ ኣለና። 5መከራ እትቕበሉ ዘለኹም ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ ናይ እግዚኣብሔር ፍርዲ ቕኑዕ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። 6እግዚኣብሔር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ እቶም መከራ ዘምጽኡልኩም መከራ ኽፈድዮም እዩ። 7ጐይታና ኢየሱስ ምስቶም ኃያላት መላእኽቱ ብነበልባል ሓዊ ኻብ ሰማይ እንትመጽእ መከራ ንትቕበሉ ንኣኻትኩም ምሳና ዕረፍቲ ኽህበኩም እዩ። 8ነቶም ንእግዚኣብሔር ዘይፈልጥዎን ነቶም ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን ከዓ ኽቐጽዖም እዩ። 9- 10ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን በቶም ዝኣምኑ ዂሎም ዝድነቐላን መዓልቲ ንሳቶም ካብ ገጽ ጐይታ ኾነ ኻብ ግርማ ኃይሉ ኽርሕቑ ብናይ ዘለዓለም ጥፍኣትውን ክቕጽዑ እዮም። 11ነዙይ ብምሕሳብ ኣምላኽና ንጸውዒቱ ብቑዓት ምእንቲ ኽገብረኩም ብኃይሉ ኸዓ ነቲ ሠናይ ንምግባር ዘለኩም ድልየትን ናይ እምነትኩም ተግባርን ኲሉ ምእንቲ ኽፍጽመልኩም ኲልሻዕ ምእንታኻትኩም ንጽሊ ኣለና። 12ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ክኸብር ንስኻትኩምውን ብእኡ ምእንቲ ኽትከብሩ ንጽሊ ኣለና።


Copyright
Learn More

will be added

X\