2 መልእኽቲ ዮሓንስ 1

1ካብ መራሕ ቤተ ክርስቲያን ናብታ ኅርይቲ እመቤትንናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ እቶም ነታ ሓቂ ዝፈልጡዋ ዂላቶም ዘፍቅርዎም፤ 2እንፈትዎም ድማ ስለ እቲ ኣባና ዘሎ ንዘለዓለም ከዓ ምሳና ዝነብር ሓቂ ኢልና ኢና። 3ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስንጸጋን ምሕረትን ሰላምን ብሓቅን ብፍቕርን ምሳና ክኸውን እዩ። 4ካብ ደቅኺከምቲ ኻብ እግዚኣብሔር ኣብ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ገይሮም በቲ ሓቂ ዝነብሩ ስለ ዝረኸብኩ ብዙኅ ተሓጕሰ ኣለኹ። 5ሕዚውን እመቤት! ሓድሽ ትእዛዝ ዘይኮነስእቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ትእዛዝ እየ ዝጽሕፈልኪ ዘለኹ፤ ንሱውን ንስንሳትና ኽንፋቐር እልምነኪ ኣለኹ። 6ፍቕሪ ማለት ትእዛዛት እግዚኣብሔር እናፈጸምካ ምንባር ማለት እዩ። ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎእቲ ትእዛዝ ብፍቕሪ ንበሩ ዝብል እዩ። 7ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ብሥጋ ኸም ዝመጸ ዘይኣምኑ ብዙኃት መስሐትቲ ኣብ ዓለም ተልዒሎም ኣለዉ። ከምዚኣቶም ዝበለ መስሓትን ፀረ ክርስቶስን እዩ። 8ንስኻትኩም ግና ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ ትግሁ እምበር ነቲ ዝፀዓርኩምሉ ኸይተጥፍእዎ ተጠንቀቑ። 9እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ጸኒዑ ዘይነብርን ካብኡ ዝርሕቕን እግዚኣብሔር ኣብኡ የለን። እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ጸኒዑ ዝነብር ግና ኣብን ወልድን ኣብኡ ኣለዉ። 10ነዝ ትምህርቲ እዙይ እንተይኃዘ ናባኻትኩም ንዝመጽእ ኣብ ገዛኹም ኣይትቀበልዎ፤ ሰላምውን ኣይትበልዎ። 11እቲ ሰላም ዝብሎ ብኽፉእ ግብሩ ይተሓባበሮ እዩሞ። 12ብወረቐትን ብቐለምን ደኣ ኽጽሕፎ ኣይደለኹን እምበር ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙኅ ነገር ነይሩኒ። ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ግና ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም ተስፋ እገብር። 13ደቂ እታ ኅርይቲ ሓፍትኺ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ።


Copyright
Learn More

will be added

X\