2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 9

1ብዛዕባ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣመንቲ ዝኸውን ረድኤት ክጽሕፈልኩም ዘድሊ ኣይመስለንን። 2ክትሕግዙ ድልዋት ምዃንኩም እፈልጥ እየሞ።  እቶም ኣብ ኣካይያ ዘለዉ ኣኅዋት ካብ ዓሚ ጀሚሮም ንምሕጋዝ ዝተዳለዉ እዮም እናበልኩ ኣብ ሰብ መቄዶንያ ተመኪሐልኩም እየ። እቲ ትግሃትኩም ከዓ ንብዙኃት ኣነቓቒሕዎም ኣሎ። 3እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝተመካሕናዮ በዝ ተግባርዙይ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውን ግና ኸምቲ ዝበልክዎ ተዳሊኹም ክትጸንሑ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም ኣለኹ። 4እዙይ ከዓ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጹ እሞ ከይተዳለኹም እንተ ጸናሕኹም ብኣኻትኩም ብምምካሕና ንሕና ጥራሕ ዘይኮነስ ንስኻትኩምውን ከይትኃፍሩ ኢለ እየ። 5ስለዙይ ነቲ ኽትልግስዎ ዘተስፎኹምዎ ውህብቶ ኣቐዲሞም ምእንቲ ኸዳልዉ ነቶም ኣሕዋት ቀቅድመይ ናባኻትኩም ክኸዱ ጠየቕኩዎም። እዙይ ከዓ ፈቲኹም እምበር ተገዲድኩም ከም ዘይገበርኩምዎ ኸረድእ እዩ። 6እቲ ብውሑድ ዝዘርእ ብውሑድ ከም ዝዓጽድ እቲ ብብዙኅ ዝዘርእ ድማ ብብዙኅ ከም ዝዓጽድ ፍለጡ። 7እግዚኣብሔር ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዝፈቱ እሞ ነፍስ ወከፍ እንተይፈተወ ወይ ብግዲ ዘይኮነስ ከምቲ ብልቡ ዝሓሰቦ የሃብ። 8- 9ከምቲ ቕዱስ መጽሓፍ  ንድኻ ብልግሲ ሃበ፤ ጽድቁ ንዘለዓለም ይነብር ዝብሎ እግዚኣብሔር ከዓ ዘድልየኩም ኲሉ ረኺብኩም ብሠናይ ተግባር ኲሉ ብሉፃት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ ጸጋ ኸብዝኀልኩም ይኽእል እዩ። 10እቲ ንዘራኢ ዘርኢ ንተመጋቢ ምግቢ ዝህብ ኣምላኽ ዘርኢ ክህበኩምን ከበርክተልኩምን ናይ ጽድቅኹም ፍረውን ከብዝኀልኩም እዩ። 11ኲሉ ጊዜ ለጋሳት ምእንቲ ኽትኮኑ ብዂሉ ወገን ከሀብትመኩም እዩ፤ እቶም ነቲ ውህብቶኹም ብኢድና ኣቢሉ ዝበጽሖም ድማ ንእግዚኣብሔር ከመስግኑ እዮም። 12እዝ ናይ ልግሲ ኣገልግሎትኩም ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ምምላእ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰብ ንእግዚኣብሔር ዝበለጸ ምስጋና ኸም ዘቕርብ ይገብር እዩ። 13እዝ ናይ ልግስኹም ኣገልግሎት ንስኻትኩም ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ወንጌል ክርስቶስ እሙናት ከም ዝኾንኩምን ንኣኣቶምን ንዂሉ ሰብን ለጋሳት ከም ዝኾንኩም ስለ ዘረድእ ብዙኃት ንእግዚኣብሔር ከመስግኑ እዮም። 14ንሳቶም ንኣኻትኩም ይጽልዩልኩም እዮም። ስለቲ ኣባኻትኩም ዘሎ መጠን ዘይብሉ ጸጋ እግዚኣብሔር ክርእይኹም ይናፍቑ እዮም። 15ስለቲ ብቓል ክንገር ዘይከኣል ውህብቶኡ እግዚኣብሔር ይመስገን።


Copyright
Learn More

will be added

X\