2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 7

1እምበኣርከስ ኣቱም ፍቑራተይ! እዝ ዂሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ ካብቲ ሥጋን መንፈስን ዘርክስ ኲሉ ርእስና ነንጽሕ። ንእግዚኣብሔር ብምፍራኅ ቅድስናና ፍጹም ንግበሮ። 2ልብኹም ኣግፊሕኹም ክፈቱልና፤ ንሕና ንሓደኳ ኣይዓመፅናን፤ ንሓደኳ ኣይጐዳእናን ንሓደውን ኣይተበለጽናሉን። 3እዝ ዝብለኩም ዘለኹ ኽወቕሰኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም ንኣኻትኩም ልብና ኽፉት እዩሞ። ብሕይወት እንተለና ወይ እንተ ሞትና ዂልሻዕ ምሳኻትኩም ኢና። 4ኣባኻትኩም ብዙኅ እምነት ኣለኒ፤ ብኣኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ኸዓ ዓብዪ እዩ፤ ተጸናኒዐውን ኣለኹ። ብዙኅ መከራ እኳ እንተሃለወና ሓጐሰይ ወሰን የብሉን። 5ኣብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና ድማ ብዂሉ ጨነቐና እምበር ዕረፍቲ ኣይረኸብናን፤ ኣብ ወፃኢ ውግእ ኣብ ውሽጢውን ፍርኃት ነበረና። 6እቲ ንዝኃዝኑ ዘጸናንዕ እግዚኣብሔር ግና ብምምጻእ ቲቶ ገይሩ ኣጸናንዐና። 7ግና በቲ ንሱ ኻባኻትኩም ዝረኸቦ ምጽንናዕ ደኣ እምበር ብምምጽኡ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ናተይ ናፍቖት ከም ዘለኩም ከም እተናሳሕኹም ንኣይውን እምብዛ ኸም እትሓልዩ ምስ ነገረና የመና ተሓጐስኩ። 8ብመልእኽተይ ኣጕህየኩም እንተ ኾንኩ እኳ ኣየናስሐንን እዩ። ቅድም ግና ንጊዜኡ እኳ እንተ ኾነ ከም ዘጕሄኹኹም ስለ ዝፈለጥኩ ኣናሲሑኒ ነይሩ። 9ሕዚ ግና ስለ ዘጕሄኹኹም ዘይኮነስ ብኣና ምኽንያት ዝኾነ ጕድኣት ስለ ዘይበጽሐኩምን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንንስሓ ስለ ዝጐሄኹምን እሕጐስ ኣለኹ። 10ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ምጕሃይ ናብ ድኅነት ዘብጽሕ ንስሓ የስዕብ፤ ኣየናስሕን ከዓ እዩ፤ ጓሂ ዓለም ግና ሞት የስዕብ እዩ። 11እንሆ እዝ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝጕሄኹምዎ ክትፅዕሩን ካብ በደል ንጹሓት ምዃንኩም ክተረድኡን ገበረኩም። ኃጢኣት ምጽላእን ፍርኃት እግዚኣብሔርን ከም ዝህልወኩምን ንኣይ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቕንኣት ከም ዝኃድረኩምን ብቕንዕና ኸም እትፈርዱውን ገበረኩም። በዝ ነገር እዙይ ብዂሉ ንጹሓት ከም ዝኾንኩም ኣመስከርኩም። 12እምበኣር ኣነ ዝጸሓፍኩልኩም ብኣይ ከም እትግደሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንኣኻትኩም ግሁድ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ እምበር ብዛዕባ በዳሊ ወይ ብዛዕባ ተበዳሊ ኢለ ኣይኮንኩን ዝጸሓፍኩልኩም። 13ስለዙይ ድማ ተጸናናዕና። ኣብቲ ናትና ምጽንናዕ ብተወሳኺ ቲቶ ብምሕጓሱን ንመንፈሱ ስለ ዘዕረፍኩምዎን ብዝበለጸ ተሓጕስና ኣለና። 14ኣነ ከም ዝምክሐልኩም ንቲቶ ነጊረዮ ነይረ፤ ንስኻትኩምውን ኣየኅፈርኩምንን። ከምቲ ንኣኻትኩም ዝነገርናኩም ኲሉ ሓቂ ኸም ዝኾነ ብዛዕባኹም ተመኪሕና ንቲቶ ዝነገርናዮውን ሓቂ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ። 15ከም ዝተኣዘዝኩምዎን ብፍርሃትን ብራዕድን ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምዎን እናዘከረ ንኣኻትኩም ዘለዎ ፍቕሪ እምብዛ ዓብዪ እዩ። 16ኣባኻትኩም ፍጹም እምነት ስለ ዘለኒ ሕጉስ እየ።


Copyright
Learn More

will be added

X\