2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 6

1ምስ እግዚኣብሔር እንሠርሕ ከም ምዃንና ጸጋ እግዚኣብሔር ንኸንቱ ኸይትቕበሉ ንልምነኩም ኣለና። 2 ብኅርይቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ! ብመዓልቲ ምድኃን ረዳእኩኻ! ከም ዝብሎ እንሆ እታ ኅርይቲ ዕለት ሎሚ እያ፤ እታ መዓልቲ ምድኃንውን ሕዚ እያ። 3ምእንቲ ኣገልግሎትና ኸይንቀፍ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ምኽንያት መዐንቀፊ ኣይንኾኖን ኢና። 4እኳ ደኣ ብዂሉ ኸም ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ንርእስና ነቕርብ፦ ብብዙኅ ትዕግሥቲ ብመከራ ብጭንቂ ብሽግር 5ብመግረፍቲ ብማእሰርቲ ብሁከት ብፃዕሪ ድቃስ ብምስኣን ብጥምየት 6ነዙይ ከዓ ብቕድስና ብምስትውዓል ብዓቕሊ ብለውሃት ብመንፈስ ቅዱስ ብሓቀኛ ፍቕሪ 7ሓቂ ብምዝራብ ብኃይሊ እግዚኣብሔር ብየማንን ብጸጋምን ኣእዳውና ኣጽዋር ጽድቂ ብምኃዝ እዩ። 8ብኽብርን ብሕስራንን ጽቡቕ ክዛረቡልና ኾነ ኸጸልሙና ንረአ ኣለና። ሓቀኛታት እንተለና ኸም መምሰልቲ ይቖጽሩና፤ 9ከም ዘይተፈለጥና ግና ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና። ከም ዝሞትና ግና ገና ሕያዋን ኢና። ብብርቱዕ ንቕጻዕ እንተኾነ ገና ኣይተቐተልናን። 10ከም ጕሁያት ግና ዂልሻዕ ሕጉሳት ኢና። ከም ድኻታት ግና ንብዙኃት ነሀብትም ኢና። ኲሉ እንተለናስ ሓንቲ ከም ዘይብሎም ኴንና ንረአ ኣለና። 11ኣቱም ሰብ ቆሮንቶስ ብገሃድ ንዛረበኩም ኣለና፤ ልብናውን ከፊትናልኩም ኢና። 12ንስኻትኩም ድኣ ኢኹም ፍቅርኹም ዘጕደልኩም እምበር ፍቕርናስ ኣየጕደልናልኩምን። 13ከም ደቀይ እየ ዝዛረበኩም ዘለኹ፤ ንስኻትኩምውን ከምኡ ልብኩም ክፈቱልና። 14ግቡእ ብዘይኮነ ኣካይዳ ምስቶም ዘየኣምኑ ብሓደ ኣይትጸመዱ፤ ጽድቂ ምስ ኃጢኣት እንታይ ዘራኽብ አለዎ? ወይ ከዓ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ኅብረት ኣለዎ? 15ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ኅብረት ኣለዎ? 16መቕደስ እግዚኣብሔር ምስ ጣዖታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሔር፦  ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ መንጎኦምውን ክመላለስ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ሕዝበይ ክኾኑኒ እዮም ከም ዝበለ ንሕና ቤተ መቅደስ ሕያው እግዚኣብሔር ኢና። 17 ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ› ይብል እግዚኣብሔር። ርኹስ ኣይትንክኡ፤ ኣነውን ክቕበለኩም እየ። 18ኣቦ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኮኑኒ ኢኹም› ይብል ኲሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ተብሂሉ ኸም ዝተጽሓፈ እዩ።


Copyright
Learn More

will be added

X\