1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ 3

1መራሕ ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ዝደሊ  ሠናይ ነገር ይምነ ዝብል ቃል ሓቂ እዩ። 2እምበኣር መራሕ ቤተ ክርስቲያን ክሽየም ዝግባእ ነቐፋ ዘይብሉ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ብመጠን ዝነብር ርእሱ ኽቈጻጸር ዝኽእል ገጽ ሰብ ሪኡ ዘየዳሉ ተቐባል ጋሻ ብቑዕ መምህር ክኸውን ይግባእ። 3ዘይሰክር ዘይዊዕ ሕያዋይ ዘይበኣስ ፈታው ገንዘብ ዘይኮነ 4ቤተሰቡ ብጽቡቕ ዘመኃድርን ብቕንዕና ዝእዘዙ ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። 5ስድራኡ ብሥነ ሥርዓት ከመኃድር እንተዘይክኢሉ ነታ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሔር ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸመኃድራ ይኽእል? 6ብትዕቢት ተነፊሑ ኸም ዲያብሎስ ኣብ ፍርዲ ምእንቲ ኸይወድቕ ሓድሽ ኣማኒ ኣይኹን። 7ኣብ ውርደትን ኣብ መፃወድያ ዲያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ በቶም ዘየኣምኑ ጽቡቕ ምስክርነት ዘለዎ ይኹን። 8ዲያቆናትውን ከምኡ መስተውዐልቲ ቃሎም ዘይለዋውጡ መስተ ዘየብዝኁ ህርፋን ገንዘብ ዘይብሎም 9ነቲ ናይ እምነት ምሥጢር ብንጹሕ ሕሊና ዝሕልዉ ክኾኑ ይግባእ። 10ንሳቶምውን ቅድም ይመርመሩ፤ ነቐፋ ዘይብሎም ኮይኖም እንተ ተረኺቦም ድማ ብዲቁና የገልግሉ። 11ኣንስቲውን ከምኡ መስተውዐልቲ ዘይሓምያ ብመጠን ዝነብራ ብዂሉውን እሙናት ክኾና ይግባእ። 12ዲያቆናት ነፍስ ወከፎም ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ ደቆምን ስድራኦምን ብጽቡቕ ዘመኃድሩ ይኹኑ። 13ብጽቡቕ ዘገልግሉ ዓብዪ መዓርግ ይረኽቡ፤ ብዛዕባ እምነት ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብትብዓት ክዛረቡ ይኽእሉ እዮም። 14ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ ነዝ መልእኽትዙይ እጽሕፈልካ ኣለኹ። 15እንተ ደንጐኹ ግና ኣብታ ቤት እግዚኣብሔር ማለት ኣብታ ናይ ሓቂ ዓምድን መሠረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሕያው እግዚኣብሔር ሰባት ከመይ ገይሮም ክነብሩ ኸም ዝግብኦም ክትፈልጥ ጽሒፈልካ ኣለኹ። 16እወ እቲ  ብሥጋ ሰብ ተገልጸ፤ ብመንፈስ ጸደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርአየ፤ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ ዝብል ናይ እምነትና ምሥጢር ብርግጽ ዓብዪ እዩ።


Copyright
Learn More

will be added

X\