1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ 3

1ስለዙይ ክንዕገሥ ስለ ዘይከኣልና ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ መረጽና። 2- 3በዝ መከራዙይ ሓደኳ ኸይሰናኸል ነቲ ሓውና ኣብ ናይ ክርስቶስ ስብከት ወንጌል ከዓ መሣርሕትና ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ጢሞቴዎስ ኣብ እምነትኩም ከተባብዐኩምን ከጸናንዐኩምን ለኣኽናዮ። ንሕና ነዝ መከራዙይ ከም ዝተመደብና ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 4ምሳኻትኩም እንተለናውን መከራ ኸም እንቕበል ኣቐዲምና ነጊርናኩም ነይርና፤ ከም እትፈልጥዎ ድማ እንሆ መከራ በጽሐና። 5ካብዙይ ንላዕሊ ኽዕገሥ ስለ ዘይከኣልኩ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይኸውን እሞ እቲ ፃዕርና ከንቱ ከይኸውን ኢለ ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ ንጢሞቴዎስ ለኣኽክዎ። 6ሕዚ ግና ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና ስለ ዝተመልሰ ናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ዘሐጕስ ዜና ኣምጽአልና፤ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩና ከምቲ ንሕና ኽንርእየኩም እንናፍቕ ንስኻትኩምውን ክትርእዩና ኸም እትናፍቑ ነገረና። 7ስለዙይ ኣኅዋተይ! ኣብ ኲሉ ጭንቅናን መከራናን በቲ ናታትኩም ኣብ እምነት ምጽናዕ ተጸናኒዕና ኣለና። 8ንስኻትኩም ኣብ ጐይታ ብምጽናዕኹም ንሕና ብሕይወት ንነብር ኣለና። 9ስለቲ ብኣኻትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝተሓጐስናዮ ታሕጓስ ንኣምላኽ ከመይ ዝበለ ምስጋና ኢና ኽነቕርብ እንኽእል! 10ገጽኩም ክንርእን ኣብቲ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን ለይትን መዓልትን ተጊህና ንጽሊ ኣለና። 11ግና ባዕሉ እግዚኣብሔር ኣቦናን ጐይታና ኢየሱስን ናባኻትኩም ንኽንመጽእ መንገድና የቕነዐልና። 12ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ጐይታ ኣብ ንስንሳትኩምን ምስ ኲሉ ሰብን ፍቕሪ የብዝኀልኩምን ይወስኸልኩምን። 13በታ ጐይታ ምስ ኲሎም ቅዱሳን ዝመጸላ መዓልቲ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቦና ነቐፋ ዘይብሎም ቅዱሳን ምእንቲ ኽትኮኑ ልብኹም የበርትዕ።


Copyright
Learn More

will be added

X\