1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ 1

1ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብታ ኣብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። 2ምእንቲ ዂልኹም ንእግዚኣብሔር ኲልሻዕ ነመስግኖ ኣለና፤ ኣብ ጸሎትናውን ኲሉ ጊዜ ንዝክረኩም ኣለና። 3ነቲ ናይ እምነት ሥራሕኹም ነቲ ኣብ ፍቕሪ ዝተመሥረተ ፃዕርኹም ነቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ ተስፋ ዝተመሥረተ ጽንዓትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን እንተየብኰርና ንዝክር ኣለና። 4ኣቱም ብእግዚኣብሔር ፍቑራት ኣኅዋትና! እግዚኣብሔር ከም ዝኃረየኩም ንፈልጥ ኢና። 5እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል ብኃይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብምሉእ ምርዳእን እምበር ብቓል ጥራሕ ኣይመጸኩምን። ንሕናውን ምእንታኻትኩም ክንብል ኣብ ማእኸልኩም ከመይ ኢልና ኸም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም። 6ብዙኅ መከራ እኳ እንተ ተቀበልኩም ነቲ ቓል በቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተረኽበ ሓጐስ ብምቕባልኩም ንኣናን ንጐይታን መሰልኩም። 7ስለዙይ ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ዂላቶም ኣመንቲ ኣርኣያ ኾንኩምዎም። 8እዝ ኻባኻትኩም ዝወፀ ቃል እግዚኣብሔር ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራሕ ኣይኮነን ዝተሰምዐ፤ እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዘለኩም እምነት ኣብ ኲሉ ሥፍራ ተሰሚዑ እዩ። ስለዙይ ንሕና ኽንዛረበሉ ኣየድልን እዩ። 9- 10ነቲ ሕያው ንዝኾነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክተገልግሉን ነቲ ካብ ሞት ዘተሠኦ ካብቲ ዝመጽእ ቊጥዓ ዘድኅነናን ወዱ ኢየሱስውን ካብ ሰማያት ክትጽበዩ ኽትብሉ ከመይ ገይርኩም ንጣዖታት ኃዲግኩም ናብ እግዚኣብሔር ከም ዝተመለስኩም ናባኻትኩም ምስ መጻእናውን ከመይ ገይርኩም ከም ዝተቐበልኩምና እዞም ሕዝቢ እዚኣቶም ባዕልቶም ይምስክሩ እዮም።


Copyright
Learn More

will be added

X\