1 መልእኽቲ ጴጥሮስ 5

1ኣነ ኸምኣቶም መራሕ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንኩ ናይቲ ክርስቶስ ዝተቐበሎ ስቓይ መስካሪ ኣብቲ ደኃር ክግለጽ ዘለዎ ኽብሪውን ተኻፋሊ ዝኾንኩ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን እምዕዶም ኣለኹ። 2ነቲ ሓደራ ዝተውሃበኩም መጓሰ እግዚኣብሔር ሓልውዎ፤ እንተኾነ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሔር ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን። ብጽቡቕ ድልየት እምበር ንኸንቱ ረብኃ ኣይኹን። 3ነቲ መጓሰ ኣርኣያ ደኣ ኹንዎ እምበር ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተውሃቡኹም መጓሰ ጐይቶት ኣይትኹኑ። 4እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ ዘይኃልፍ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም። 5ከምኡ ኸዓ ኣቱም መንእሰያት ነቶም ዝዓብዩኹም ተኣዘዝዎም።  እግዚኣብሔር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። ከም ዝብል ትሕትና ለቢስኩም እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል። 6ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ እግዚኣብሔር ርእስኹም ትሕት ኣብሉ። 7ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ ንዂሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ። 8እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ ንቕሑ! ኣስተውዕሉ! 9ብእምነት ጸኒዕኹም ተቓወምዎ፤ ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ኣኅዋትኩምውን እዝ መከራ እዙይ ይበጽሖም ከም ዘሎ ትፈልጡ ኢኹም። 10ብፍጹም ፍቕሪ ናብ ዘለዓለም ክብሩ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸውዐኩም ናይ ኲሉ ጸጋ እግዚኣብሔር ቊሩብ ጊዜ መከራ ምስ ተቐበልኩም ንሱ ኽፍጽመልኩም ከጽንዐኩም ከበርትዐኩም ክምሥርተኩምውን እዩ። 11ንእኡ ንዘለዓለመ ዓለም ክብርን ሥልጣንን ይኹን! ኣሜን። 12በቲ እሙን ምዃኑ ዝፈልጦ ኃውና ስልዋኖስ ገይረ ነዛ ሓፃር መልእኽቲ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። እዙይ ከዓ ኸተባብዐኩምን እዙይ ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ ኽገልጸልኩምን ኢለ እየ። ኣብዝ ጸጋ እዙይ ጸኒዕኹም ቁሙ። 13እታ መተኃርይትኹም ዝኾነት ኣብ ባቢሎን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ሰላም ትብለኩም ኣላ። ማርቆስ ወደይውን ሰላም ይብለኩም ኣሎ። 14ብክርስቲያናዊ ፍቕሪ ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ። ብክርስቶስ ንዘለኹም ኲልኻትኩም ሰላም ይኹን። ኣሜን።


Copyright
Learn More

will be added

X\