1 መልእኽቲ ዮሓንስ 1

1ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ንሕና ብእዝንና ዝሰማዕናዮ በዒንትና ዝረአናዮ ዝጠመትናዮ በእዳውና ዝዳህሰስናዮ ቓል ሕይወት ንነግረኩም ኣለና። 2እዝ ሕይወት ተገለጸ፤ ንሕና ኸዓ ርኢናዮ ኢና፤ ንምስክርውን ኣለና። ምስ ኣብ ዝነበረ እቲ ንኣና ዝተገልጸ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንነግረኩም ኣለና። 3ምሳና ኅብረት ምእንቲ ኽህልወኩም ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። ኅብረትናውን ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ። 4እዝ እንጽሕፈልኩም ዘለና ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ኢልና ኢና። 5እታ ኻብ ክርስቶስ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘለና መልእኽቲ፦  እግዚኣብሔር ብርሃን እዩ፤ ኣብኡውን ጸልማት ከቶ የለን እትብል እያ። 6 ምስኡ ኅብረት ኣለና እናበልና ኣብ ጸልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፤ በቲ ሓቂውን ኣይንነብርን ዘለና። 7ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና ንስንሳትና ኅብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን ካብ ኲሉ ኃጢኣት የንጽሀና እዩ። 8 ኃጢኣት የብልናን እንተ በልና ንርእስና ንጥብር እቲ ሓቂውን ኣባና የለን። 9ኃጢኣትና እንተ ተናዘዝና እግዚኣብሔር እሙንን ጻድቕን ስለ ዝኾነ ንኃጢኣትና ይቕረ ኽብለልና ካብ ኲሉ በደልናውን ከንጽሀና እዩ። 10 ኃጢኣት ኣይገበርናን እንተ በልና ሓሳዊ ንገብሮ፤ ቃሉውን ኣባና የለን።


Copyright
Learn More

will be added

X\