1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 13

1ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተዝዛረብ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ ከም ዝደምፅ ነሃስ ወይ ጭልጭል ከም ዝብል ጸናጽል ምኾንኩ። 2ውህብቶ ትንቢት እንተ ዝህልወኒ ዂሉ ምሥጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ እምባታት ክሳዕ ዘፍልስ ከዓ ፍጹም እምነት እንተ ዝህልወኒ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ ከንቱ እየ። 3ኲሉ ገንዘበይ ከዓ ንድኻታት እንተ ዝዕድል ሰብነተይ ንምንዳድ ኣኅሊፈ እንተ ዝህብ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ ሓደኳ ኣይጠቕመንን እዩ። 4ፍቕሪ የዐግስ፤ ፍቕሪ የራህርህ፤ ፍቕሪ ኣየቃንእን፤ ፍቕሪ ኣየመክሕን፤ ኣየዕብይን። 5ፍቕሪ ዘለዎ ስዲ ኣይኸውንን፤ ፍቕሪ ዘለዎ ንዓይ ይጥዓመኒ ብዝብል ኣይምራሕን፤ ፍቕሪ ኣየበሳጩን፤ ፍቕሪ ዘለዎ ኣይቕየምን። 6ፍቕሪ ዘለዎ ብሓቂ ይሕጐስ እምበር ብዓመፅ ባህ ኣይብሎን። 7ፍቕሪ ዘለዎ ንዂሉ ይፀውር፤ ንዂሉ የኣምን፤ ብዂሉ ድማ ተስፋ ይገብር፤ ንዂሉ ይዕገሥ። 8ትንቢት እንተሃልዩ ንሱ ኽሠዓር እዩ፤ ምዝራብ ቋንቋታት እንተሃልዩ ንሱ ኽውዳእ እዩ፤ ፍልጠት እንተልዩውን ንሱ ኽሠዓር እዩ፤ ፍቕሪ ግና ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። 9እቲ እንፈልጦ ኾነ እንንበዮ ምሉእ ኣይኮነን። 10ግና እቲ ፍጹም ዝኾነ ምስ መጸ እቲ ጐደሎ ክሠዓር እዩ። 11ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ ከም ቈልዓ እዛረብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓ አሓስብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓውን እመራመር ነበርኩ፤ ምስ ዓበኹ ግና ነቲ ነገር ቊልዕነት ኃደግክዎ። 12ሕዝስ ከም ብመስትያት ብጽልግልግ ንርኢ ኣለና፤ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና። ሕዚ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ፤ ሽዑ ግና ከምቲ እግዚኣብሔር ንኣይ ዝፈልጠኒ ፍልጠተይ ምሉእ ክኸውን እዩ። 13እምበኣር እምነት ተስፋ ፍቕሪ እዚአን ሠለስቲአን ጸኒዐን ይነብራ። ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ።


Copyright
Learn More

will be added

X\